ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ደኒማርክ፡ ነቲ ምውራስ ንብረት ፍልሰተኛታት ዝብል ሕጊ አማሓይሻቶ


ፋይል
ፋይል

ቤት-ምኽሪ ደኒማርክ ነቲ ኣከራካሪ ኮይኑ ዝጸንሓ ስደተኛታት አብታ ሃገር ንዝጸንሕሉ ጊዜ ክኸፍሉ ኣለዎም ዝብል ሕጊ ጽባሕ ረቡዕ ከምዝዘራረብሉ ተፈሊጡ።

እቲ ሕጊ መጀመርያ አብ ወርሒ ታህሳስ ዝቐረበ ኽኸውን ከሎ አብ ዶባት ንስደተኛታት ምፍታሽን ክሳብ 437 ዶላር ብገንዘብ ወይ ዋጋ ዘለዎም ኣቕሑ ጥራይ ክሕዙ ዘፍቕድ’ዩ።

ብዛዕባ እቲ ሕጊ መብርሂ ዝሃቡ ሚኒስትር ጉዳይ ስደተኛታት ደኒማርክ እዚ ሕጊ ሰበ-ስልጣን እታ ሃገር ንዑቕባ ዝሓቱ ፍልሰተኛታትን ስደተኛታትን ኣቑሑቶም ኮነ ክዳውንቶም ክፍትሹ ፍቃድ ዝህብ ኮይኑ ብዘይ ፍቓድ አብታ ሃገር ንዝጸንሑሉ ጊዜ ድማ ገንዘብ ክከፍሉ እንተዘይኾኑ ካልእ ንብረት እቶም ፍልሰተኛታት ክወርሱ ዝብል ምኳኑ ሓቢሮም።

እዚ ሕጊ’ዚ ድሕሪ ምውጽኡ ትኩረት ዓለም-ለኸ ማሕበረሰብ ዝሰሐበ ክኸውን ከሎ ምስ ናይ ናዚ- ጀርመን እዋን ዘወዳደርዎ’ውን ኣይተሳእኑን።

ናይ ሕ/ሃ ትካል ስደተኛታት (UNHCR) በወገኑ ነቲ ብደኒማርክ ዝቀረበ ሕጊ ብምንጻግ እቲ ሕጊ ፍርሒ ዘነግስ፡ ጽልኢ ወጻእተኛታት (xenophobia) ዘስዕብ ንዝያዳ ፍልሰት ምስፍሕፋሕ ዝዕድምን ንስደተኛታት አብ ዝከፍአ ናይ ሂወት ሓደጋ ዘእትው’ዩ ክብል ገሊጽዎ’ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ አብዚ ምስማዕ ይኸአል።

ደኒማርክ፡ ነቲ ምውራስ ንብረት ፍልሰተኛታት ዝብል ሕጊ አማሓይሻቶ
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:26 0:00

XS
SM
MD
LG