ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዳዊት ኢሳቕ -- ኣብ ዘይተረኽቦ -- ሽልማት ንሰብኣዊ ክብሪ


ዳዊት ኢሳቕ -- ኣብ ዘይተረኽቦ -- ሽልማት ንሰብኣዊ ክብሪ
please wait

No media source currently available

0:00 0:06:36 0:00

ዳዊት ኢሳቕ -- ኣብ ዘይተረኽቦ -- ሽልማት ንሰብኣዊ ክብሪ

ኤርትራዊ-ሽወደናዊ ጋዜጠኛ ዳዊት ኢሳቕ፡ ሎሚ ሰሉስ 19 ሕዳር ኣብ ዝተኻየደ ጽንብል ምዕዳል ሽልማት ኢደልሳትም ተቐቢሉ። ካብ መስከረም 2001 ኣትሒዙ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኤርትራ ዝርከብ ዳዊት ኢሳቕ፡ ሽልማቱ ብኣካል ክቕበል ስለ ዘይከኣለ፡ ጓሉ ቤትልሄም ዳዊት ኢሳቕ’ያ ነቲ ሽልማት ኣብ ክንድኡ ተረኪባ።

ኣባል ቦርድ ምስንዳእ ናይ ፈለማ ናይ ብሕቲ ጋዜጣ ሰቲት ዝነበረ ዳዊት ኢሳቕ፡ ገጣሚ፡ ደራሲን ኣላዪ ድራማን’ውን’ዩ ነይሩ።

ንኽብሪ ሽወደናዊ ሃራልድ ኢደልስታም ዝቖመ ሽልማት ንሰብኣዊ ክብሪ ፍሉይ ኣበርክቶ ንዝግበሩ ውልቀ-ሰባት ዝወሃብ’ዩ። ናይ ሎሚ ዓመት ኮሚተ፡ ንዳዊት ኢሳቕ ዝሓርየሉ ምኽንያት ክገልጽ እንከሎ፡ “ብመንግስቲ ንዝወርድ ጸቕጢን ምፍርራሕን ሰጊሩ፡ ንስለ መሰል ምግላጽ ሓሳባትን ሰብኣዊ መሰላትን ቃልሱ ብምቕጻሉ፡” ይብል። እቲ ኮሚተ ድማ መንግስቲ ኤርትራ ንሃለዋቱ ከፍልጥን ብሕጋዊ መሰርሕ ፍርዲ ክኽተልን ጸዊዑ።

ኣብ ክንዲ ኣቦኣ ኰይና ነዚ ሽልማት ዝተቐበለት ቤተልሄም ዳዊት ኢሳቕ’ያ። ኣቦኣ ክእሰር እንከሎ፡ ገና ጓል ሸውዓተ ዓመት ዝነበረትን ሕጂ ኣብ ሽወደን እትነብርን ቤተልሄም፡ ብጋዜጠኛ ድምጺ ኣመሪካ ሳሌም ሰሎሞን፡ ብኩራት ኣቦኣ ኣብ ህይወታ ከመይ ከም ዝጸለዋ ተሓቲታ ክትምልሽ እንከላ፤ “ንህይወተይ ብብዙሕ ኵርናዕ’ዩ ጸልዩዎ። ኣብ ሸውዓተ ዓመት ሓደ ካብ ስድራኻ ክትስእን እንከላኻ ኣዝዩ ከቢድ’ዩ። እንተዀነ ነዚ ሕጂ ዘለኹዎ ክኸውንን ሓይሊ ክድርብን’ውን ድርኺት ኰይኑኒ’ዩ። እዚ ዝመስል ጽሕፍቶ ነቲ ዝኸፍአ ጸላኢየይ’ውን ዘይምንየሉ እንተዀንኩ፡ ግን ህይወተይ ካልእ መኣዝን ክሕዝ ገይሩዎ’ዩ። ብኻልእ መልክዑ፡ እቲ ከም ትሑዝ እንወስዶ ናጽነት ምግላጽ ሓሳባት ቀሊል ዋጋ ከም ዘየኽፍል ዘርኢ ኣብነት’ዩ፡” ትብል።

ድምጺ ኣመሪካ ፈነወ ቀርኒ ኣፍሪቃ ምስ ሽልማት ዳዊት ኢሳቕ ኣተኣሳሲሩ ካብ ሚኒስትሪ ዜና ኤርትራ ግብረ-መልሲ ንምስማዕ ዝግበሮ ፈተነ ኣይቀንዐን።

ሰበ-ስልጣን ኤርትራ ብዛዕባ’ቶም ኣብ መስከረም 2001 ዝተኣስሩ ፖለቲካውያን መራሕቲ ነበርን ጋዜጠኛታትን መብርሂ ካብ ምሃብ ቍጡባት’ዮም። እንተዀነ ኣብ ወርሒ ሰነ 2016 ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ፡ ምስ ረድዮ ፍራንስ ኢንተርናሽናል ኣብ ዝገበሮ ሳሕቲ ቃለ-መጠየቕ፡ ብዛዕባ ጉዳይ እቶም ናይ ፖለቲካ እሱራት መሊሱ ነይሩ። ኣብ እዋኑ ሚኒስተር ዑስማን፡ “ሕቡራት ሃገራት ዘይረኣዩዎ ክኸውን ይኽእል ግን ሕቡእ ማእሰርቲ ዝብሃል የብልንና” ኢሉ ነይሩ።

ሚኒስተር ዑስማን ኣብቲ ናይ ሰነ 2016 ቃለ-መጠየቑ፡ “ኵላቶም ጸቡቕ ኣለዉ። መንግስቲ ድማ ይከናኸኖም ኣሎ። ፖለቲካውያን እሱራት ስለ ዝዀኑ ጉዳዮም ብመንግስቲ’ዩ ተታሒዙ ዘሎ፡” ኢሉ። እንተዀነ፡ ሚንስተር ዑስማን ዳዊት ኢሳቕ ዝርከቦም ጋዜጠኛታትን ፖለቲካውያን መራሕቲን መዓስ ናብ ፍርዲ ከም ዝቐርቡ ምስ ተሓተተ፡ “መንግስቲ ኣብ ዝወሰነሉ፡” ኢሉ መሊሱ ነይሩ። ዛጊት ግን ካብቲ ዝተባህሎ እዋን’ውን ሸሞንተ ዓመት ሓሊፉ ናብ ፍርዲ ኣይቀረቡን። ብዛዕባ ሃለዋቶም ዝገልጽ መብርሂን መረዳእታን’ውን ካብ መንግስቲ ኤርትራ ኣይተዋህበን።

ኣብ መስከረም 2001 ዝተኣስሩ ጋዜጠኛታት ብሕቲን ፖለቲካውያን መራሕቲን ክንደይ ካብኣቶም ብህይወት ምህላዎም’ውን፡ ብዘይካ እቲ ኣሳሪ ኣካል፡ ኣርጢቡ ዝፈልጥ የሎን። እንተዀነ ስድራቤት እቶም እሱራት ድሕሪ 23 ዓመታት’ውን ምጥባቖምን ጻውዒቶምን ኣየቋረጹን። ነቲ ቃልሲ ንኽትቅጽል ተስፋ ዘውህባ ምኽንያት ብሳሌም ሰሎሞን ዝተሓተት ቤተልሂም ዳዊት ኢሳቕ፤ “ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ ጸቕጢ ክግበርን ስጉምቲ ክወስድን ትስፉዋት ኢና። ኣቦይን ካልኦት መተኣስርቱን ኣብ ኤርትራ እንታይ ይፍጸም ከም ዘሎ መርኣያ’ዮም። ኣብ ማእሰርቲ ልዕሊ 23 ዓመታት ገይሮም ኣለዉ። ስለዚ እምበኣር ከምዚ ኢልካ ክቕጸል ስለ ዘይክእል እቲ ግፍዒን ምጕስቓልን ደው ክብል ኣለዎ።”

ቤተልሄም ኣቦኣ ነዚ ሽልማት ምቕባሉ ንዓን ስድራቤትን ዓቢ ክብሪ ምዃኑ ክትገልጽ እንከላ፡ ኣብ ማእሰርቲ ዝርከብ ኣቦኣ ብኣካል ነቲ ክብሪ ክቕበሎ ዘይምኽኣሉ ግን ከቢድ ጓሂ ከም ዝስምዓ ትገልጽ።

ዳዊት ኢሳቕ ዝርከቦም ኤርትራውያን ጋዜጠኛታት ብሕቲ፡ እተን ጋዜጣታት ኣብ 18 መስከረም 2001 ድሕሪ ምእጋደን’ዮም ካብ 23 መስከረም 2001 ኣትሒዞም ብሓይልታት ጸጥታ ኤርትራ ተሃዲኖም ክእሰሩ ጀሚሮም። ኣብቲ ናይ ሽዕኡ ጃምላዊ ማእሰርቲ ተወሲዶም ዛጊት ደሃይ ዘይብሎም ጋዜጠኛታት ዋና ኣሰናዳኢ ጋዜጣ ጽጌናይ ኣቶ ዮሱፍ መሓመድ ዓሊ፣ ዋና ኣሰናዳኢ ጋዜጣ ዘመን ኣቶ ኣማኑኤል ኣስራት፤ ዋና ኣሰናዳኢ ጋዜጣ ኣድማስ ኣቶ ስዒድ ዓብደልቃድር፣ ዋና ኣሰናዳኢ ጋዜጣ መቓልሕ ኣቶ ማቲዎስ ሃብተኣብ፣ ምኽትል ኣሰናዳኢ ጋዜጣ መቓልሕ ኣቶ ዳዊት ሃብተሚካኤል፣ ምኽትል ኣሰናዳኢ ጋዜጣ ቀስተ-ደበና ኣቶ መድሃኔ ሃይለ፣ ኣባል ቦርድ ምስንዳእ ጋዜጣ ቀስተ-ደመና ኣቶ ተመስገን ገብረየሱስ፣ ኣባል ቦርድ ምስንዳእ ጋዜጣ ሰቲት ኣቶ ዳዊት ኢሳቕ፣ ሰኣሊን ናይ ውልቂ ኣበርካቲን ኣቶ ስዩም ጸሃየ፣ በዓል ሞያ ሕጊን ናይ ውልቂ ኣበርካቲን ኣቶ ሳህለ ጸጋዝኣብ (ወዲ-ኢታይ)፣ ናይ ውልቂ ኣበርካትሪን ደራሲን ኣቶ እድሪስ ሰዒድ (ኣባ-ዓረ) ምዃኖም መዛግብቲ ተሓለቕቲ ትካል ናጽነት ፕረስ የመልክት።

ኤርትራውያን ጋዜጠኛታት ብሕቲ፡ ድሕሪ ማእሰርቶም፡ ብሕልፊ ድማ ብተጣባቕነት ንመሰል ናጽ ፕረስ ዝሕለቕ ትካል ፐን ኤርትራ ኣብ ስደት በበይኑ ሽልማትን ረኺቦም’ዮም። ብዘይካ እቲ ሓያሎ ሽልማታት ዝረኸበ ዳዊት ኢሳቕ፡ ብተመሳሳሊ ዋና ኣሰናዳኢ ጋዜጣ ዘመን ዝነበረ ኣማኑኤል ኣስራት’ውን ኣብ 2016 ንሱ ኣብ ዘይተረኽቦ ኣብ ኔዘርላንድስ ሽልማን ኦክስፋም-ኖቪብ ክሽለም እንከሎ፡ ኣብ 2020’ውን ኣብ ዓዲ-እንግሊዝ፡ ንተባዕ ጸሓፊ ዝወሃብ ናይ ክብሪ ሽልማት ሃሮልድ ፒንተር፡ ምስ ጀማይካዊ ገጣሚ ሊንዶን ክወሲ ጆንሰን ተቐቢሉ። እቲ ሽልማት ናይቲ ዓመት ዕዉት ጸሓፊ’ዩ ነቲ ክብሪ ንኻልእ ብዘይ ሕጊ ኣብ ማእሰርቲ ዝርከብ ተባዕ ጸሓፊ ዘበርክቶ። ናይ 2020 ዕዉት ጸሓፊ ክወሲ ጆንሶን ድማ ነቲ ሽልማን ንኣማኑኤል ኣስራት ወፍዩ።

ኣብ 1964 ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ፡ ኣብ 1987 ናብ ሽወደን ዝተሰደደን ኣብ 1992 ዜግነት ሽወደን ዝወሰደ ጋዜጠኛን ደራሲን ዳዊት ኢሳቕ፡ ድሕሪ ማእሰርቱ፡ ምስዚ ናይ ሎሚ ሓዊሱ ሽዱሽተ ንመሰል ምግላጽ ሓሳባት ዝወሃቡ ዓለማዊ ሽልማት ተቐቢሉ ኣሎ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG