ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ደቪድ ሺን ፡ሓዲሽ ፖሊሲ ኢትዮጵያ፡ ናብ ወተሃደራዊ ረጽሚ ከምርሕ`ዩ ዝብል እምነት ኣይሓዝኩን ኢሎም


ኣቐዲሙ ካብ ወገን ኤርትራ ሓደ ዘንቅል ስጉምቲ ክሳብ ዘይተራእየ፡ ብወገን ኢትዮጵያ ገለ ምንቅስቓስ ክህሉ ኢዩ ኢለ ኣይኣምንን`የ ኢሎም

መንግስቲ ኢትዮዽያ ነቲ ምስ ኤርትራ ዘሎ ርክብ ይስዕቦ ዝፀንሐ ፖሊሲ ምክልኻል ናብ ንጡፍ ተግባር ከምዘሰጋገሮን፣መንግስቲ ኣስመራ ናብ ኢትዮዽያ ዘቅነዖ ፖሊሲ እንተዘይቀይሩ ባዕሉ ንመንግስቲ ኣስመራ ክቅይሮ ምኻኑ ኣፍሊጡ‘ዩ።ኣብ ምትግባር‘ዚ ሓድሽ ፖሊሲ ድማ ዲፕሎማስያዊ፣ፀጥታዊን ወትሃደራዊን ኣንፈታት ክስዕብ ምኳኑ ቀ/ሚ መለስ ዜናዊ ገሊፆም‘ዮም።

ነዚ ሓድሽ ምዕባለ‘ዚኣመልኪቶም ኣሜሪካዊ ተንታኒ ፓለቲካዊ ኩነታት ቀርኒ ኣፍሪቃ ዴቪድ ሽን ክዛረቡ ከለው “ቅድሚ ኩሉ፣ብዛዕባ ለውጢ ፖሊሲ ዝተዋሃበ መግለፂ ኣፍኲሰ ወይካኣ ኣጋኒነ ከቅርቦ ድልየተይ ኣይኮነን።ኢትዮዽያ ብወትሃደራዊ ሓይሊ መንግስቲ ክትልውጥ‘ያ ዝብል ገምጋም የጠራጥረኒ‘ዩ።ብዲፕሎማስያዊ ትሰርሓሉ ፀኒሓ‘ያ።ካብ‘ዚ ዝሓለፈ ወትሃደራዊ ስልቲ ክትክተል እንተኾይና ግና ኣዝዩ ርኡይ ለውጢ ክኸውን‘ዩ ማለት’ዩ።ናብኡ ዘብፅሕ ኣገባብ‘ዩ ዝብል እምነት ገና ኣይሓዝኩን ዘለኹ” ኢሎም።

ሰበ-ስልጣን መንግስቲ ኢትዮዽያ ኣብ ምትግባር‘ዚ ሓድሽ ፖሊሲ ኣብ ምክልኻል ዝተሓፀረ ፖሊሲ ናብ ንጡፍ ተግባር ኣሳጊርናዮ‘ለና ዝብል መግለፂ ኣስሚዖም‘ዮም።እንታይ ማለት‘ዩ ኢልናዮም ንዴቪድ ሺን ንሶም ዝሃብዎ መብርሂ ”ዝተፈላለየ ትርጉም ክሕዝ ይኽእል‘ዩ።ንኣብነት ንጡፍ ተግባር (ፕሮኣክቲቭ) ማለት ኣብ ከባቢ ዶብ ዓቅሚ ሰራዊት ምጥንኻር ማለት ክኸውን ይኽእል‘ዩ።ንዶብ ክትሰግር ኢኻ ማለት ግን ኣይኮነን።ኣቀዲሙ ካብ ወገን ኤርትራ ሓደ ዘንቅል ስጉምቲ ክሳብ ዘይተራኣየ፣ብወገን ኢትዮዽያ ገለ ምንቅስቃስ ክህሉ‘ዩ ኢለ ኣይኣምንን።ከምኡ‘ዩ ዝኸውን ኢለ‘ውን ኣይፅበን” ኢሎም።

XS
SM
MD
LG