ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረ. ትራምፕ ንዘይሕጋዊያን ስደተኛታት መጽለሊ ዝህብ ፕሮግራም ዳካ ደው ክብል ወሲኖም


ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ነቶም 800 ሽሕ መንበሪ ወረቐት ዘይብሎም ቆልዑ ብቁልዕነቶም ዝመፁ መንእሰያትን ሓለዋ ንክግበረሎም ዘኽአል ዝነበረ ትእዛዝ ንክላዓል ዘግድድ ስጉምቲ ወሲዶም

እዞም ቆልዑ ብቁልዕለቶም ዝመፁን መንእሰያትን ብወለዶም ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ናብ ኣሜሪካ ዝኣተው ቆልዑዮም ፕረዚደንት ትራምፕ ነቲ ነዞም ቆልዕን መንእሰያትን ካብ ምጥርዝ ዑቁባ ኾይንዎም ዝፀንሓ ዳካ ብዝብል ምህፃረ ቃል-ዝፍለጥ ትእዛዝንኽለዕል ዝወስውኑ ፕረዚደንት ትራምጵ ግን ኮንግረስ ክፀንሑ ዝደልዮም እንተኾይኑ ኣብ ውሽጢ 6-ኣዋርሕ ክውሰን ግዜ ሂቦም’ለዉ

ፕረዚደንት ትራምፕ ነዚ ውሳነኦም ድሕሪ ምፅዳቆም ኣብ ክንደኦም ዋና ዓቃቢ ሕጊ ጄፍ ሰሽን ኣብ ቅድሚ ካሜራ መብርሂ ንክህቡ ኣዋፊሮምዮም

"ደሓንዶ ሓዲርኩምሎሚ ነቲ ዳካ ተባሂሉ ዝፍለጥ ኣብ እዋን ምምሕዳር ፕረዚደንት ኦባማ ዝተተግበረ ፕሮግራም ንኽለዓል ምውሳኑ ንምግላፅ ኣብዚ ኣብ ቅድሜኹም ዘለኹቡአትዕዮ ፍትሒ ነቶም ፕረዚደንትን ንቤት ዕዮ ድሕነት ሃገራን ኣዚ ፕሮግራም ጥራይ ዘይኾነስ እቲ ፕሮግራም ንኽትግበር ንዝተህበ ናይ ፅሕፍ ትእዛዝ’ውን ክስረዝ ምኽሪ ሂቡ’ዩ"

ፕሮግራም ዳካ ማለት ኣብ ኣሜሪካ ተማሂርካ ናይ ምምሕያሽ ራኢ ንዘለዎም ራኢኦም ንኽትግብሩ ነቶም ብዘይ ሕጋዊ መንገዲ ናብ ዩናይትድ ሴተይትስ ዝመፁ ቆልዑን ኣብዝኣሜሪካ ዝዓበዩን ምንእሰያት ዕድል ንምሃብ ዝብፕረዚደንት ኦባማ ዝተዋህበ ትእዛዝ’ዩ ኔሩ

ትራምፕ ነዚ ብፕረዚደንት ኦባማ ዝወፀን ዝተተግበረን ፕረዚደንታዊ ትእዛዝዮም ቀልቢሶምዎ

እቶም ወረቐት ዘይጸንሖም ቆልዑ ንመብዛሕትኡ ዕድሚኦም ኣብ ኣሜሪካዮም ኣሕሊፎምዎ ሎሚ ግን ናይ ጊዜ ጉዳይምበር ካብ ዝመጽእ መጋቢት ጀሚሩ ክጥረዙ ይኽእሉዮም

XS
SM
MD
LG