ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ምርጫ ከንቲባ ዋሽንግተን ዲሲ ብዓይኒ ገለ ኤርትራውያን


ቅድሚ 4ተ ዓመታት ብልዑል ድምጺ ከንቲባ ዝተመርጸ ኣድርያን ፈንቲ፡ ንህዝቢ ስለዝረሰዐ ክስዓር ከምዝኸኣለ ኣብ መደብ “ኤርትራውያን ኣብ ኣመሪካ” ዝቐረቡ ክልተ ኣጋይሽ ይሰማምዑ

ኤርትራውያን ተቐማጦ ኸባቢ ዋሽንግቶን ዲሲ ኣቶ ዘካርያስ በርሀን ኣቶ ሃብተጊዮርጊስ ወልደሚካኢኤልን፡ ከንቲባ ፈንቲ ትኹረቱ ንሃብታማት ምሕላይ፡ ንድኻታት ድማ ካብ`ዛ ርእሰ ኸተማ ከምዝወጹ ምግባር`ዩ ኔሩ ኣብ ዝብል ይሰማምዑ። ኣብ ጽፈት ትምህርቲ መሰረታዊ ለውጢ ኣብ ምምጻእ ከም ዝተንቀሳቐሰ ዝንገረሉ ከንቲባ ፈንቲ፡ ንገለ ደኺመን ዝበለን ኣብያተ-ትምህርቲ ምዕጻዉ ፍትሓውነት ኣይነበሮን ይብሉ-እቶም ናብ`ዚ መደብ ዝቐረቡ ሰባት።

ብኻልእ ወገን፡ ኣብ ማእከል ከተማ፡ ንዘወርቲ ብሽግለታ ተባሂሉ ሓደስቲ መስመራት ምሕዛእ፡ ንትራፊክ ኣጻቢብዎ`ምበር ኣብ ጠቕሚ ክውዕል ኣይተራእየን ይብሉ።

ተዓዋቲ`ቲ ምርጫ ዝኾነ ቪንሰንት ግረይ ግና፡ ንምረት ህዝቢ ጽን ኢሉ ድሕሪ ምስማዕ ውሳነ ናይ ምሃብ ባህርይ ዘለዎ ፖለቲከኛ ብምዃኑ ብህዝቢ ዝሓሸ ድምጺ ክረክብ ከምዝኸኣለ እቶም ኤርትራውያን ይጠቕሱ። ከንቲባ ፈንቲ ኣብ `ዛ ኸተማ ገበናት ከምዝንኪ ምግባሩ ብዙሓት ደገፍቱን ውሑዳት ተቓወምቱን ይኣምኑ`ዮም።

ቀዳማይ ክፋል መደብ ኤርትራውያን ኣብ ኣመሪካ ንምስማዕ ኣብ ላዕላዋይ የማን ሸነኽ ንዘሎ ምልክት ድምጺ ምኽፋት ይክኣል

XS
SM
MD
LG