ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ስነ-ጥበባዊ ግርማይ ኣስፍሃ (ዓንቂ)፡ ጋሽ ቂሔ ጽልሚ


ብስነ-ግጥሚ ጀሚሩ፡ ኣብ ኩሉ ዓውድታት ስነ-ጥበብ፡ እንተላይ ጋዜጠኝነት ኢዱ ከምዝሓወሰ ይገልጽ ግርማይ ኣስፍሃ።

ኣብ ዝተፈላለዩ በዓላትን ኣብ`ቲ መደብ `ተዓወት` ተባሂሉ ዝፍለጥ ኣብ ኤርትራ ዝካየድ መደባትን፡ ብንጡፍ ዝሳተፍን ዝዕወትን ዝነበረ ክኢላ`ዩ።

ኣብ ባህልን ያታን ዝያዳ ፍቕሪ ዘለዎ ይመስል-ብፍላይ ከኣ ኣብ ማሰን መልቀስን። በዚ ድማ ብዛዕባ ወ/ሮ ግደይ ኣልገዳ ዝፈልጦ ከዋግዓና ዓዲምናዮ። ወ/ሮ ግደይ ኣልገዳ ኣብ ከተማ ሰንዓፈ፡ ስዋ ጸኒሐን ድማ ሜስ ብምሽቃጥ ዝመሓደራ ዝነበራ፡ ካብኡ ሓሊፈን ድማ ሽመንን ትሕዝቶአንን እንገነነ ከይዱ፡ ዓበይቲ ዝቐርብወንን፡ ህቡባት ማሰኛታት ኤርትራ ከይተረፈ ክእለቶም ዘርእዩለን ዝነበሩ ውርይትን በዓልቲ ዛንታን ሰበይቲ ነበራ-ብፍላይ ኣብ ሽመጃናን ወደ-ከለን ኪነዉን።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ስነ-ጥበባዊ ግርማይ ኣስፍሃ (ዓንቂ)፡ ጋሽ ቂሔ ጽልሚ
please wait

No media source currently available

0:00 0:09:47 0:00

XS
SM
MD
LG