ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዘተ:ፖለቲካዊ ቅልውላው ኢትዮጵያን መፍትሒኦምንን (2ይ ክፋል)


ዶ/ር ሓጎስ ኣብርሃን ኣርክቴክት ኤርምያስ ኣማረን
ዶ/ር ሓጎስ ኣብርሃን ኣርክቴክት ኤርምያስ ኣማረን

ኣብ ኢትዮጵያ ቀዳማይ ምንስቴር ኣብይ ናብ ስልጣን ድሕሪ ምምፅኦም ብዙሓት ዝተመነይዎ ለውጥን ሰላምን እንታይ ዕንቅፋት ገጠሞ፧ ኣብ መንጎ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ፌደራል መንግስትን ዘሎ ወጥሪ ከመይ ክፍታሕ ኣለዎ፧ኣብ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ክካየድ ተታሒዙ ዘሎ ምርጫ ስለምንታይ ምንጪ ምስሕሓብ ክኸውን ክኢሉ ዝብሉን ዶክተር ሓጎስ ኣብርሃን ኣርክቴክ ኤርሚያስ ኣማረን ትንታንኦም ሂቦም ኣለው።

ዶክተር ሓጎስ ኣብርሃ ኣብ ዩኒቨርስቲ መቐለ ቅዱስ ያሬድ ማእኸል መፅናዕታት ብራናን ጥንታዊ ስነፅሑፋት ኢትዮጵያን ዝሰርሐ ኣብ ሕዚ እዋን ንፖስት ዶክተራል ምርምር ኣብ ሃምቡርግ ዩኒቨርስቲ ጀርመን ይርከብ።ንፖለቲካዊ ኩነታት ከባቢ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብቀረባ ዝከታተል ዶክተር ሓጎስ ኣብ ታሪኽ፣ባህሊ፣ስነልሳንን ምጣነን የፅንዕ።

ኢንጂነር ኤርምያስ አማረ ድማ ቅድም ክብል ኣብ ዩኒቨርስቲ መቐለ መምህር ኣርክተክቸር ዝነበረን ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ኒውዮርክ ኣብ ዝርከብ ሓደ ዓብይ ናይ ኮንስትራክሽን ኩባኒያ ዝሰርሕን ከምኡ እውን ንፖለቲካዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ዝምልከቱ ዛዕባታት ኣብ ዝተፈላለዩ መርበብ ሓበሬታታትን ማሕበራዊ ሚዲያን ዝፅሕፍን እዩ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ዘተ:ፖለቲካዊ ቅልውላው ኢትዮጵያን መፍትሒኦምንን (2ይ ክፋል)
please wait

No media source currently available

0:00 0:14:02 0:00


XS
SM
MD
LG