ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዘተ:ፖለቲካዊ ቅልውላው ኢትዮጵያን መፍትሒኦምንን (1ይ ክፋል)


ዶ/ር ሓጎስ ኣብርሃን ኣርክቴክት ኤርምያስ ኣማረ
ዶ/ር ሓጎስ ኣብርሃን ኣርክቴክት ኤርምያስ ኣማረ

ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ምስ መፁ ብዝተርኣዩ ኣወንታዊ ለውጥታት ነባሪ ሰላም ክሰፍን ብዙሓት ተስፋ ገይሮም ነይሮም።እቲ ብዙሓት ዝበሃግዎ ሰላምን ቅሳነትን ኣይተረጋገጸን: ቅልውላዋት ዝያዳ ወሲኾምን ገዲዶምን ዝብሉ ወገናት'ውን ኣይተሳእኑን ።

ሞት ድምፃዊ ሃጫሉ ሁንዴሳ ስዒቡ ድማ ህይወት ሰብ ጠፊኡ፣ዕንወት ንብረትን ምዝንባል ዜጋታት አጋጢሙ።እቲ ፀገም ኣበይ እዩ ዘሎ?

ኣብ መንጎ ፌደራል መንግስትን ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ዘሎ ወጥሪ'ከ ብከመይ ክፍታሕ ኣለዎ?እታ ሃገር ካብዚ ቅልውላው ከመይ ክትወፅእ ትኽእል? ዝብሉን ተኣሳሰርቲ ጉዳያትን ብዝምልከት ንክልተ አጋይሽ ዓዲምና አለና።

ዶክተር ሓጎስ ኣብርሃ ኣብ ዩኒቨርስቲ መቐለ ቅዱስ ያሬድ ማእኸል መፅናዕታት ብራናን ጥንታዊ ስነፅሑፋት ኢትዮጵያን ዝሰርሐ ኣብ ሕዚ እዋን ንፖስት ዶክተራል ምርምር ኣብ ሃምቡርግ ዩኒቨርስቲ ጀርመን ይርከብ።ንፖለቲካዊ ኩነታት ከባቢ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብቀረባ ዝከታተል ዶክተር ሓጎስ ኣብ ታሪኽ፣ባህሊ፣ስነልሳንን ምጣነን የፅንዕ።

ኢንጂነር ኤርምያስ አማረ ድማ ቅድም ክብል ኣብ ዩኒቨርስቲ መቐለ መምህር ኣርክተክቸር ዝነበረን ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ኒውዮርክ ኣብ ዝርከብ ሓደ ዓብይ ናይ ኮንስትራክሽን ኩባኒያ ዝሰርሕን ከምኡ እውን ንፖለቲካዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ዝምልከቱ ዛዕባታት ኣብ ዝተፈላለዩ መርበብ ሓበሬታታትን ማሕበራዊ ሚዲያን ዝፅሕፍን እዩ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ዘተ:ፖለቲካዊ ቅልውላው ኢትዮጵያን መፍትሒኦምንን (1ይ ክፋል)
please wait

No media source currently available

0:00 0:13:39 0:00


XS
SM
MD
LG