ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ትካል ተሓላቂ ጋዜጠኛታት ንአዳለውቲ ዓምዲ ዞባ ትሽዓተ ሸሊሙ


ትካል ተሓላቂ መሰል ጋዜጠኛታት (CPJ) ትማሊ ምሸት ኣብ ኒውዮርክ ኣብ ዘዳለዎ ናይ ሽልማት ስነ-ስርዓት ኣብ ኢትዮጵያ ነጻነት ምዝራብ ክኽበር ንዝቃለስ ጉጅለ አዳለውቲ ዓምዲ ኢንተርኔት ዞባ ትሽዓተ ሸሊሙ።

ጸሓፍቲ ዞባ ትሽዓተ 'ንህዝቢ ኣለዓዒልኩም' ተባሂሎም ብሕጊ ጸረ ግብረ-ሸበራ ተኸሲሶም፣ ተኣሲሮምን ተከላቢቶምን’ዮም ኢሎም ይነቅፉ ብርክት ዝበሉ ትካላት ሰብዓዊ መሰላት እዚ ከምዚ'ኢሉ ኸሎ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንኣባላት ዞባ - 9 ኣብ’ዚ ቀረባ ከምዝፈትሖምን ዝዝከር’ዩ።

ኣብ’ቲ ብCPJ ዝተዳለወ ስነ-ስርዓት ሽልማት፣ ካብ ኣፍሪቃ ተሸላማይ ዞባ ትሽዓተ ጥራይ’ዩ ትብል ወ/ሪት ሶልያና ሽመልስ።

'ንዝተዋሃበና ሽልማት ተቀቢልና ኣለና። ካብ ሶርያ፣ ማሌይዥያን ፓራጓይን'ውን ተሸለምቲ ነይሮም' ትብል ንሳ።

'እቲ ሽልማት ብቀንዱ፣ ንመንግስታት፣ ንተሸለምቲ ወይከኣ ነቲ ኩነታት ንዝከታተሉ ሰባት፣ ሓሳብካ ምግላጽ ወይከአ ብነጻነት ሓሳብካ ምግላጽ ንዘሻቅሎም ወገናት ሽርክና ከምዘሎ ዝሕብርን ዘተባብዕ’ዩ።ካልኦት ሰባት’ውን ይከታተሉ ከምዘለው፣ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝግበር ነገር ካብ ግዳማዊ ዓለም ዝኽወል ዘይምኻኑ ሓባሪ’ዩ”ትብል ወ/ት ሶልያና ሽመልስ።

ብሕጊ እገዳ ክሳብ ዘይተነበረ ናይ ዜጋታት መሰል ምንቅስቃስ ምድራት ግቡእ ኣይኮነን ዝበለት ሶልያና ሽመልስ፣ ኣብ’ቲ ስነ-ስርዓት ንክርከብ ተሓሲቡ ዝነበረ ኣባል ዞባ ትሽዓተ ዘላለም ክርኸብ ከምዘይከኣለን ሎሚ’ውን ሕገ-መንግስቲ ኢትዮጵያ ይከበር ኢና ንብል ዘለና ኢላ

XS
SM
MD
LG