ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቋንቋ ኦሮምኛ ኣብ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ(ፊንፊነ) ናይ ስራሕ ቋንቋ ኮይኑ ከገልግል ዝገብር ረቒቅ ኣዋጅ ወጺኡ


ፎቶ ፋይል- አዲስ አበባ ከተማ
ፎቶ ፋይል- አዲስ አበባ ከተማ

ቤት-ምኽሪ ሚንስትራት ኢትዮጵያ፡ ቋንቋ ኦሮምኛ ምስ ቋንቋ ኣምሓርኛ ጎኒ-ንጎኒ ናይ ስራሕ ቋንቋ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ከምዝኸውን ኣብ`ቲ ዘውጽኦ ረቂቕ ኣዋጅ ኣፍሊጡ`ሎ።

ከምኡ`ውን ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ፡ ብቋንቋ ኦሮምኛ ቤት-ትምህርቲ ቀዳማይ ደረጃ ከዳሉ ብምጽዋዕ፡ ተወላዶ ኦሮሞ ዝኾኑ ነበርቲ ፊንፊነ ብቋንቁኦም ኣገልግሎት ከም ዝቐርበሎም ጠቒሱ`ሎ።

እታ ርእሰ-ከተማ፡ ንክልል-ኦሮምያ `ፊንፊነ` ተባሂላ ምጽዋዓ ክቕጽል ዝሓበረ`ቲ ኣዋጅ፡ ፊንፊነን ኣዲስ ኣበባን ኣብ ቅድሚ ሕጊ ማዕረ ኣፍልጦ ኸምዝህልወን ኣፍሊጡ`ሎ።

ድሕሪ`ቲ ኣብ ክልላት ኦሮሚያን ኣምሓራን ተላዒሉ ዝነበረ ህዝባዊ ተቓውሞ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሕቶታት ህዝቢ ንምምላስ ክሰርሕ ምጽንሑ ገሊጹ`ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።


XS
SM
MD
LG