ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢንሳ: መቐለ ዩኒቨርስቲ ዘቕረቦ ሕቶ ፍቓድ ድሮን ረቛሒታት ኣየማልአን ኢሉ


ናይ ኢትዮጵያ ኤጀንሲ መርበብ ድሕነት ሓበሬታ\ኢንሳ\ ዋና ዳይሬክተር ዶ/ር ሹመቴ ግዛው
ናይ ኢትዮጵያ ኤጀንሲ መርበብ ድሕነት ሓበሬታ\ኢንሳ\ ዋና ዳይሬክተር ዶ/ር ሹመቴ ግዛው

ናይ ኢትዮጵያ ኤጀንሲ መርበብ ድሕነት ሓበሬታ(ኢንሳ) ካብ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ዝቐረበ ናይ ሰብ ኣልቦ ነፋሪት(ድሮን) ፍቓድ የለን ኢሉ ።ናይቲ ኤጀንሲ ዳይሬክተር ዶክተር ሹመቴ ግዛው እቲ ሕቶ ቅድሚ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ካብ ዩኒቨርስቲ መቐለ ቀሪቡ እንተነበረ እውን ካብ ወፃኢ ዝኣትው ድሮን ክማላእ ዝግባእ መዐቀኒታት ፍቓድ ኣየማልአን ኢሎም።

ናይ ክልል ትግራይ ኣማሓዳሪ ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ወራር ኣንበጣ ናይ ምክልኻል ስራሕ ካብ ፌደራል መንግስቲ ዕንቅፋት የጋጥሞ ከምዘሎ ገሊፆም እዮም።ናይቲ ክልል ቢሮ ሕርሻ እውን ወራር ኣንበጣ ንምክልኻል ኣብ እስራኤል ብዝርከቡ ተወለድቲ ትግራይ ዝተዓደገት ድሮን ብፌደራል መንግስቲ ንኣዋርሕ ተታሒዛ ኣላ ክብል ከሲሱ ኣሎ።

ናይቲ ኤጀንሲ ዋና ዳይሬክተር ዶክተር ሸመቴ ግዛው ሕቶ ፍቓድ ዘቕረበ ክልል ትግራይ ዘይኮነስ ዩኒቨርስቲ መቐለ እዩ፤ምስቲ ክልል ዘራኽብ እውን የብሉን ኢሎም።ዩኒቨርቲ መቐለ ቅድሚ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ድሮን ክኣትው ሓቲቱ ብስልኪ ይኹን ብኣካል ናይ መልእኽቲ ምልውዋጥ ኣካይድና ኢና ኢሎም።

"ሕጂ ንምንታይ ምስቲ ክልል ንምርኻብ ከምዝተደለየ እንተዘይፈለጥኩ እውን ምስ ሰብ ሞያን ሓለፍቲ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ኢና ንራኸብ ዝነበርና።ኣብ እስራኤል ካብ ዝርከቡ ተወለድቲ ትግራይ ከምዝተረኸበ እውን ፀኒሖም እዮም ነጊሮምና። ሎሚ ካብ ዘሎ ነባራዊ ኩነታት ካብቲ ዝተፈቐደ ክሊ ወፃኢ ኮይኑ ወልቀሰባትን ትካላትን ካብ ዝሕዝዎ ንላዕሊ ኮይኑ ስለዝተረኸበ ምውዳእ ኣይተኽኣለን እዮም’’ ኢሎም።

ብመጠንን ኣገልግሎታትን ዝተፈላለዩ ናይ ድሮን ደረጃታት ከምዘለው ብምግላፅ ክሳብ ሎሚ ክሳብ 25 ኪሎ ግራም ዝምዘኑ ድሮናት ከምዝፈቐዱ ሓቢሮም።እዚ ናይ ዩኒቨርስቲ መቐለ ግን 60 ኪሎግራም ኮይኑ እዚ ግን ካብቲ ዝተጠቐሰ ኣዚዩ ዝዓበየ እዩ።ናይ 35 ኪሎ ግራም ብልጫ ኣለዎ ኢሎም።

ንሶም ብምውሳኽ እቲ ድሮን ናይ መንነት ይኹን ናይ ኣጠቓቕማ ማንዋል ከምዘይብሉን ንምፍታሽ ኣብዝፍትንሉ እዋን እቲ ድሮን ክፈቕደልና ኣይክኣለን ኢሎም ።

ዩኒቨርሲቲ መቐለ ኣእትየዮ ዝበሎ ሰብ ኣልቦ ነፋሪ ዝመፀሉ ዕላማ ቅድም ኢሉ ምዝርራብ ይክኣል ነይሩ፤ዩኒቨርስቲ መቐለ ግን ከምኡ ኣይገበረን ኢሎም።

ብኻልእ ወገን ሚንስትሪ ሕርሻ ትማሊ ወግዓዊ ብዝገበሮ ሓበሬታ ዕስለ ኣንበጣ ኣብ ዝተራእየሎም ከባቢታት ደቡባዊ ትግራይን ምብራቕ ኣምሓራን ብኣውሮፕላን ዝተደገፈ ምንፃግ ኬሚካል ስራሕ ምጅማሩ ኣፍሊጡ።

ኣብ ደቡባዊ ዞባ ክልል ትግራይ ንምክልኻል ዕስለ ኣንበጣ በነፈርቲ ዝተሓገዘ ምንፃግ ኬሚካል ተኻይዱ እንተኾይኑ ንምምሕዳር ዞባ ደቡባዊ ትግራይ ሓቲትና ኣለና::

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ::


XS
SM
MD
LG