ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቢሮ ሕርሻን ልምዓት ገጠር ክልል ትግራይ ኣንበጣ ንምክልኻል ዝተገዝኣ ድሮን ከይኣትው ተኸልኪሉ ክብል ይከስስ


ኣብ እስራኤል ዝነብሩ ተወለድቲ ትግራይ ዝገዝእዋ ንምክልኻል ኣንበጣ ትውዕል ድሮን ብፌደራል መንግስቲ ናብቲ ክልል ከይኣቱ ንሸውዓተ ኣዋርሕ ተኣጊዱ ክብል ቢሮ ሕርሻን ልምዓት ገጠር እቲ ክልል ከሲሱ::

እቲ ቢሮ እዚ እገዳ ኮነ ኢልካ ንክልል ትግራይ ብቁጠባ ንምድኻም ይካየድ ናይዘሎ ሽርሒ ኣካል እዩ ክብል ገሊጹ::

ተወካሊ ማሕበረሰብ ትግራይ ኣብ እስራኤል ንድምጺ ኣሜሪካ ከምዝገለፅዎ: ንምክልኻል ዕስለ ኣንበጣ ኣብ ትግራይ ተባሂሉ ኣቐዲሙ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት ዝተልኣኸ ምንጻግ ኬሚካል ዘካይድ ድሮን ኣድለይቲ ሰናዳት ኣምሊኡ እናሃወ'ዩ ናብ ትግራይ ከይኣቱ ዝተኸልከለ ኢሉ::

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል::


XS
SM
MD
LG