ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዶናልድ ስተርሊንግ ደጊም ኣብ ውድድራት ሰኪዔት ንከይሳተፍ ተኣጊዱ


Donald Sterling
Donald Sterling
ወናኒ ጋንታ ሰኪዔት ክሊፐርስ NBA ዶናልድ ስተርሊንግ ደጊም ኣብ ውድድራት ሰኪዔት ንከይሳተፍ ተኣጊዱ።

ኣብ ሎስ-ኣንጀለስ ንዝመደብራ ጋንታ ኩዕሶ ሰኪዔት ክሊፐርስ ዝውውን ዶናልድ ስተርሊንግ ናብ‘ዚ ብርኪ‘ዚ ዝበፅሐ፣ተዛሪብዎ ብጠንቂ ዝተባሃለ ዘርኣዊ ቃላት፣ካብ ኣፍቀርቲ‘ቲ ስፖርት ወቀሳታት ድሕሪ ምስዓቡ‘ዩ።

ኣብ‘ቲ ስተርሊንግ ምስ ዓርኩ ዝነበረት ተዘራሪብዎ ዝባሃል ቃላት፣ናብ ጋንታይ ፀለምቲ ተፃወቲ ከይተምፅእለይ ይብል።

ንሳ ነቲ ዶናልድ ስተርሊንግ ምስ ኮኸብ ተፃዋታይ ማጂክ ጆንሰን ኣብ ሓደ እዋን ዝተሳኣሉ ፎቶ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ስለዝዘርገሐቶ ስተርሊንግ እናገንሓ ከሎ ይስማዕ።ሪኢቶ ዝሃበ ማጂክ ጆንሰን፣እዚ ሰብ‘ዚ ነታ ጋንታ ክሸጣ ይግባእ ይብል።

በቲ ናይ ቴሌፎን ዝርርብ ደገፍቲ ኩዕሶ ሰኪዔት ተቆጢዖም‘ለው። ፕረዚደንት በራክ ኦባማ ከይተረፉ ናብ‘ቲ ክትዕ ተሳሒቦም‘ዮም።ኣብ ማሌዥያ ኮይኖም ዝሃብዎ ሪኢቶ ”ደናቁር ንድንቁርነኦም ከላልዩ ፈተነ ኣብ ዝገብርሉ እዋን ክትገብሮ ዝካኣለካ ነገር ዘሎ ኣይመስለንን።ክዛረቡ ጥራሕ ኢኻ ትፈቅደሎም።ኣብ‘ዚ ዝኸውን ዘሎ‘ውን ንሱ‘ዩ“ ኢሎም።

ገይል ፓራስራም ዝተባሃለ ካልእ ወሃባይ ሪኢቶ፣ኣሜሪካ ድሕሪ ዝሓለፈቶ ታሪኽ፣ከም‘ቲ ሰብ‘ቲ ዝኣምሰሉ ሰባት ኣብ‘ዚ መዋእል‘ዚ ምህላዎም ደንፅዩኒ‘ሎ በለ።
XS
SM
MD
LG