ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሂላሪ ክሊንተንን ዶናልድ ትራምፕን ኣብ መባእታዊ ውድድር ሕጹያት ንፕረዝደንታዊ ምርጫ ተዓዊቶም


ሕጹይ ተወዳዳሪ ፕረዝደታዊ ምርጫ ካብ ፓርቲ ሪፓብሊካን ዶላንድ ትራፕ
ሕጹይ ተወዳዳሪ ፕረዝደታዊ ምርጫ ካብ ፓርቲ ሪፓብሊካን ዶላንድ ትራፕ

ሂላሪ ክሊንተንን ዶናልድ ትራምፕን ብቕድሚ ትማሊ ቀዳም ኣብ ዝተኻየደ ውድድር መባእታዊ ሕጹያት ንፕሬዝዳንታዊ ምርጫ ተዓወቲ ኮይኖም፤እቲ ናህሪን ንሕንሕን እውን ቀጺሉ’ሎ።

ኣብ ኔቫዳ ኣብ ዝተኻየደ ምርጫ ሂላሪ ክሊንተን ንተቀናቃኒአን ሰነቴር በርኒ ሳንደርስ ብጸቢብ ድምጺ ብምስዓር ኣብቲ ውድድር ንዴሞክራቲክ ፓርቲ ወኪሉ ፕሬዝዳንታዊ ሕጹይ ዩናይትድ ስቴትስት ንምዃን ይመርሓ ኣለዋ።

ሕጽይቲ ተወዳዳሪት ፕረዝደንታዊ ምርጫ ሂላሪ ክሊንተን
ሕጽይቲ ተወዳዳሪት ፕረዝደንታዊ ምርጫ ሂላሪ ክሊንተን

ዓወት ሂላሪ ክሊንተን ብደረጃ ሃገር ኣብ ዝተርግሐ መርበብ ዘለወን ሓያል ደገፍ ዝሕብር ስለዝኾነ ሳንደርስ ቀንዲ ደገፍቶም ካብ ዝኾኑ መንእሰያት ኣድምጽቲ ብተወሳኺ ንብዙሓት ደገፍቲ ዴሞክራሲዊ ፓርቲ ንምስሓብ ብዙሕ ክሰርሑ ኣለዎም ይብሉ ተንተንቲ።

ብወገን ሪፓብሊካዊ ፓርቲ ዲታ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ዝሓለፈ ኣብ ኒው ሃምሽር፣ብቕድሚ ትማሊ ቀዳም ድማ ኣብ ሳውዝ ካሮላይና ኣብ ዝተኻየደ መባእታዊ ምርጫ ብምዕዋት ይመርሑ ኣለው።

ናይ ፍሎሪዳ ሰኔተር ማርኮ ሩቡዮ ንናይ ቴክሳስ ሰኔተር ቴድ ክሩዝ ብጸቢብ ድምጺ ስዒሮም ኣብ ካልኣይ ደረጃ ይርኸቡ።

ጀብ ቡሽ
ጀብ ቡሽ

​እዚ ከምዚ ኢሉ ኸሎ ጄብ ቡሽ ኣብቲ ናይ ቀዳም ምርጫ ራብዓይ ደረጃ ድሕሪ ምውጽኦም ካብ ሕጹያት ተወዳደርቲ ፕረዝደንታዊ ምርጫ ከምዝወጹ ኣፍሊጦም ኣለው።

ወድን ሓውን ናይ ዩናይትድ ስቴትስ ፕሬዝዳንትታት ነበር ማለት እውን ወዶም ንፕሬዝዳንት ጆርጅ ኤች ዳብሊው ቡሽ፣ሓዎም ንጆርጅ ዳብሊው ቡሽ ዝኾኑ ጄብ ቡሽ ኣብዚ ኣጋጣሚ ብዘካየድዎ ወፍሪ ኮሪዐ ኣለኹ ኢሎም።

ዝቕጽል ቀዳም ፓርቲ ዴሞክራት ኣብ ክፍለ ግዝኣት ሳውዝ ካሮላይና ሪፓብሊካዊያን ድማ ኣብ ኔቫዳ ኣብ መባእታዊ ምርጫ ከድምጹ እዮም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG