ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

2015 ዓመተ ደርቂ’ያ ይብል ሕ/ሃ


ኣብ’ዛ ዝሓለፈት ዓመተ ኣውሮጳዊያን፣ ለውጢ ኩነታት ኣየርን ኤል ኚኖን፣ ገዚፍ ተፈጥሮኣዊ ጥፍኣት ከምዘስዓበ መፅናዕቲ ሕ/ሃ ገሊፁ።

ኣብ’ታ ዝተዛዘመት ዓመት ይብል ቢሮ ምንካይ ተፈጥሮኣዊ ጥፍኣት ሕ/ሃ፣ ኣብ ዙርያ ዓለም 32 ሓደገኛ ደርቂ ተኸሲቶም፣ መብዛሕተኦም ድማ ኣብ ትሕቲ ሳሃራ ኣፍሪቃ'ዮም።

ኣብ ቤልጅየም ዝመደብሩ እቲ ትካል መፅናዕቲ፣ ንሓደጋታት ምንቅጥቃጥ ምድሪ፣ ደርቂ፣ ሓደጋ ውሕጅን ህቦብላዊ ተፈጥሮኣዊ ጥፍኣትን ይከታተል። ዳይረክተር’ቲ ትካል ዲባርቲ ጉሃ-ስፕር፣ ዓመተ 2015፣ ዓመተ ደርቂ’ያ ክትብል ትገልፃ።

'ኣብ’ዚ እዋን’ዚ 50 ሚልዮን ሰባት ተለኪሞም ኣለው። ኣብ ዓመተ 2016 ዝባኣሰ ክኸውን’ዩ።' ሎም-ዘበን ሰብኣዊ ጥፍኣት ንሪኤላ ዓመት'ያ፣ ስደትን ምፍንቃልን ንዕዘበላ ዓመት ክትኮን’ያ ኢላ።

ቅድሚ 5 ዓመት ዘጓነፈ ደርቂ ኣብ ምብራቅ ኣፍሪቃ ን12 ሚልዮን ሰባት ኣፈናቂሉ’ዩ። እቶም 260 ሽሕ ሶማልያዊያን’ዮም።

ጉሃ ሳፕር፣ ኣብ’ቲ ዓመት’ቲ፣ ቅድመ መጠንቀቂ ተቃሊሑ ነይሩ። መንግስታት ግና ኣየቅለብሉን። ስለዚ ሎም-ዘበን ተመሳሳሊ ጌጋ ክፍፀም የልቡን ትብል።

XS
SM
MD
LG