ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣል-ኚኖ ኣብ ልዕሊ 18 ሚልዮን ህዝቢታት ጉድኣት የብጽሕ ኣሎ


ኣል-ኚኖን ግጭታትን ዝጠንቁ ቅልውላው ን18 ሚልዮን ህዝቢታት ምብራቅ ኣፍሪቃ፣ ተጸበይቲ ረድኤት ገይርዎም አሎ ክብል ሕ/ሃ ገሊጹ።

ኢጋድ / በይነ-መንግስታት ምብራቅ ኣፍሪቃ/ ሎሚ ኣብ ዝዘርገሖ መጠንቀቂ፣ ቀጻሊ ደርቂ ምብራቅን ማእከላይን ኣፍሪቃ፣ ንዝቅጽሉ ሰለስተ ኣዋርሕ ከምዝቅጽል ሓቢሩ።

ኣብ ኢጋድ ክፍሊ መጽናዕቲ ኩነታት ኣየር ጉለድ ኣርታን፣ ‘ደርቂ ኣብ ሰሜናዊ ዞባታት ክሳብ ንዝመጽእ ዓመት ክረምቲ ክቕጽል’ዩ። ኣብ ደቡባዊን ምዕራብን ኬንያ፣ ኡጋንዳን ታንዛንያን፣ መጠን ዝናብ ብፍርቂ ክንኪ’ዩ’ ኢሉ።

ኣል-ኚኖ ዝጠንቁ ለውጢ ኩነታት ኣየር፣ ኣብ ኢትዮጵያ፣ሱዳንን ሶማልያን’ውን ጽልውኡ ኣሕዲሩ’ዩ።

ሰብኣዊ ጉዳያት ሕ/ሃ (ኦቻ) ፒት ማንፊልድ፣ ኣስታት 18 ሚልዮን ህዝቢታት ኣብ ድርኹኺት ጥምየት፣ ድርቅን ግጭትን ከምዝርከቡ ይገልጽ።

ኣብ ቡሩንዲ፣ ደቡብ ሱዳንን የመንን ሎም-ዓመት ዝተቀላቀሉ ሓደሽቲ ግጭታት ኣለው። ናብ’ቲ ዝጸንሐ ሰብኣዊ ጠለባት’ውን’ዮም ጾር ወሲኾምሉ። ።

ኣብ ምብራቅ ኣፍሪቃ ዝተኸሰተ ደርቂ ብሕልፊ ንኢትዮጵያ’ዩ ሃሲይዋ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ን10 ሚልዮን ሰባት ንምሕጋዝ 1.1 ቢልዮን ዶላር ከምዝሓተተ ዝዝከር’ዩ።ጎረባብታ ዝኾና ደቡብ ሱዳንን ሶማልያን ድማ ኣብ ልዕሊ ውሽጣዊ ግጭት ደርቂ ተወሲኹወን’ሎ።

ኣብ መላእ ምብራቅ ኣፍሪቃ፣ ኣስታት 3 ሚእቲ ሽሕ ሰባት ብሰንኪ ደርቂ ተፈናቂሎም’ዮም።

ኣብዚኣ'ሞ

ኣብዚኣ'ሞ! ብመሰረት ክወሃብ ዝጸንሐ ሓበሬታታት ኤርትራ ኣብ ጉዳይ ሶማል ዝጸንሓ መርገጺ

እዚ ሳይንቲፊካዊ ዘይኮነ መዐቀኒ ህዝባዊ ርእይቶ፤ ንርእይቶ ወሃብቱ ጥራይ እዩ ዘመልክት

XS
SM
MD
LG