ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ከተማ ሸዋሮቢት ብዝተፈጥረ ግጭት ቁጽሮም ዘይተፈልጠ ሰባት ምሟቶም ነበርቲ ሓቢሮም


ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ሰሜን ሸዋ ከባቢ ከተማ ሸዋሮቢት ኣብ መንጎ ሓይልታት ጸጥታን ከባቢያዊ ዕጡቓትን ብዝተፈጥረ ግጭት ቁጽሮም ዘይተረጋገጸ ሰባት ምሟቶም ነበርቲ ንድምጺ ኣመሪካ ሓቢሮም። ስሩዕ ናይ መንግስቲ ስራሓት ከይተረፈ ክሳብ ምቁራጽ በጺሑ`ሎ ዝብሉ ነበርቲ፡ ናይ ድሕንነቶም ስግኣት ከምዝሓደሮም`ውን ሓቢሮም ኣለዉ።

ኣብ ክልል ኣምሓራ ብተመሳሳሊ ግጭታት ሰባት ምሟቶም ክግለጽ ኣብ ውሽጢ ሒደት መዓልታት እዚ ንካልኣይ ግዜ`ዩ።

ቅድሚ ትማሊ ረቡዕ ኣብ ዞባ ማእከላይ ጎንደር ወረዳ ደምቢያ ከባቢ ከተማ ጯኺት ኣብ መንጎ ሓይልታት ጸጥታን ዕጡቓትን ብዝተፈጥረ ግጭት፡ ቁጽሮም ዘይተፈልጠ ሰባት ከም ዝተቐተሉ ምምሕዳር`ቲ ከባብን መሰኻኽርን ንድምጺ ኣመሪካ ምሕባሮም ይዝከር።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG