ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ክልል ኦሮሚያ ኣብ መንጎ ቄሮ ተባሂሎም ዝፍለጡ መንእሰያትን ሰራዊት ምክልኻልን ብዝተፈጥረ ግጭት፡ ሰባት ብጥይት ተወቒዖም ክብሉ ምንጭታት ንድምጺ ኣሜሪካ ሓቢሮም


ፎቶ ፋይል
ፎቶ ፋይል

ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ጅማ ወረዳ ኦሞናዳ ኣብ መንጎ ቄሮ ተባሂሎም ዝፍለጡ መንእሰያት ኦሮሞን ሰራዊት ምክልኻልን ብዝተፈጥረ ግጭት፡ ሰባት ብጥይት ተወቒዖም ክብሉ ምንጭታት ቄሮን ሆስፒታልን ንድምጺ ኣሜሪካ ሓቢሮም።

እቲ ግጭት ዝተላዕለ፡ ንሰለስተ መዓልታት ብዝቐጸለ ኣድማ መንገድታት ብምዕጻዉን፡ ካብ ኣሰንዳቦ ናብ ሾኔ ኣብ ዝወስድ መንገዲ ገለ 50 ዝኾና ተሽከርከርቲ ስለዝተዓጽዋን`ዩ ዝብሉ እዞም ምንጭታት፡ ሎሚ ሰራዊት ምክልኻልን ፈደራል ፖሊስን ነተን መካይን ክነሕልፍ ኢና ኢሎም መጺኦም ተኹሲ ከምዝኸፈትሎም ገሊጾም። ብጥይት ካብ መንጎ ዝተሃርሙ፡ ገሊኦም ናብ ሆስፒታል ጅማ ከምዝተላእኩ፡ ናይ`ቲ ሆስፒታል ዋና ኣካያዲ ስራሕ ኣቶ ኑረዘማ ጋሊ ንድምጺ ኣሜሪካ ተዛሪቡ።

ብህጹጽ ግዜ ኣዋጅ ዝቖመ ኮማንድ ፖስት ሎሚ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብ ሓደ ሓደ ከባቢታት`ታ ሃገር ብዝተፈጥረ ዘይምርግጋእ ናይ `ኣብዮት ቀለም` ዝበሎ መልክዕ ይሕዝ ምህላዉን፡ ናይ`ቲ ኣብዮት ኣሰጎምቲ ድማ ተኸታቲሉ ዝቕጽል ህውከት ኣብ ምጽዋዕ ይርከቡ`ለዉ ይብል።

ብሰንኩ ድማ ክሳብ ሕጂ 17 ኣካላት ጸጥታ ጉድኣት ከምዝወረዶምን፡ ኣርባዕተ ተሽከርከርቲ ምቅጻለንን፡ ካልኦት 10 ተሽከርከርቲ ጉድኣት ከምዝወረደንን፡ጸሓፊ`ቲ ኮማንድ ፖስት ኣቶ ሲራጅ ፈጌሳ ኣፍሊጡ። ብዛዕባ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዝጠፍአ ህይወት ግን ኣይተዛረበን። ለንቅነ ድምጺ ኣሜሪካ ዘዘራረቦም ዝተፈላለዩ ናይ`ቲ ከባቢ ነበርቲ፡ቤተሰብ መወቲ፡ ሓለፍቲ ሆስፒታላትን ከንቲባ ከተማን ኣብ ዝሃብዎ ቃል፡ ዛጊት ድሕሪ`ቲ ኣዋጅ፡ ሽዱሽተ ሰባት ብሓይልታት ጸጥታ ከምዝተቐተሉን፡ ምስዞም ናይ ሎሚ 28 ሰባት ብጥይት ከምተወቕዑን ይገልጹ።

ድምጺ ኣሜሪካ ዘዘራረቦ ተወካሊ ቄሮታት ኣሰንዳቦን ሾኔን፡ ብዛዕባ`ቲ ኩነታት ክዛረብ ከሎ “ንሕና ቃልስና ንደሞክራሲ`ዩ። ተቓውሞና ድማ ብድምጽናን ብኢድናን`ዩ-ዝዓጠቕናዮ ምንም ነገር የለን” ኢሉ።

እቲ ንሰለስተ መዓልታት ዝተጸውዐ ኣድማ ምዕጻው ምንቅስቓስ ሎሚ ከምዝዛዘምን መንገድታት ከምዝኽፈቱን ዝገለጸ ወኪል`ዞም ብኦሮምኛ ቄሮ ተባሂሎም ዝፍለጡ መንእሰያት፡ ብኣጠቓላሊ፡ ንኣዋጅ ህጹጽ እዋን ከምዘይቅበልዎን ኣብ ክልሎም “ ኣሽንኳይ`ዶ ዝተዓጥቀ ሓይልስ፡ በትሪ ዝሓዘ ወገን`ውን” ክርእዩ ከምዘይደልዩ ኣፍሊጡ።

ኣብ ካልኦት ከተማታት እቲ ዞን ሕጂ`ውን ውጥረት ከምዝቐጸለ ድምጺ ኣሜሪካ ዘዘራረቦም ነበርቲ ይገልጹ`ለዉ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG