ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሲሃም ዓሊ -- ትሕቲ ዕድመ 12 ዓመት ኣብ ማእሰርቲ


ሲሃም ዓሊ -- 12 ዓመታት ኣብ ማእሰርቲ
please wait

No media source currently available

0:00 0:06:56 0:00

ሲሃም ዓሊ -- 12 ዓመታት ኣብ ማእሰርቲ

ሰንበት 08 ታሕሳስ ኣብዚ ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ ከባቢ ሓወልቲ፡ ንመበል 12 ዓመት ማእሰርቲ ሲሃም ዓሊ ዓብዱ ንምዝካር ተሓላቒት ሰብኣዊ መሰላት ቫኔሳ ጸሃየ፡ ናይ ፖስተር ዝኽሪ ኣካዪዳ ነይራ።

ወላዲ ሲሃም ናይ ቅድም ሚኒስተር ዜና ነበር ኣቶ ዒሊ ዓብዱ፡ ምስ መሪሕነት መንግስቲ ኤርትራ ተፈላልዩ ኣብ ደገ ምስ ተረፈ’ዩ ጓሉ ግዳይ ማእሰርቲ ምዃና ከም ኣምኒስት ኢንተርናሽናል ዝኣመሰሉ ተሓለቕቲ ትካላት ዝገልጹ። ኣብ ኤርትራ ምስ ስግረ-ዶብ ዝተሓሓዝ ጉዳያት ዝተኣስሩ፡ እሞ ድማ ትሕቲ ዕድመ ክሳብ ክንድዚ ክነውሕ ልሙድ ኣይኰነን።

ሓያሎ ተሓleቐቲ ትካላት ሰብኣዊ መሰላትን በበይኖም ወገናት መንግስቲ ኣመሪካን ንሲሃምን ከምኣ ንዝኣመሰሉ ብዘይ ሕጋዊ መስርሕ ዝተኣስሩን ንምፍታሕ ተደጋጋሚ ጸቕጢ ክገብሩ ጸኒሖምን ኣለዉን። ዛጊት ግን ካብ መንግስቲ ኤርትራ ኣወንታዊ ምላሽ ኣይረኸበን።

ሲሃም ንሱዳን ክትከይድ ኣብ ዝfeተነትሉ እዋን’ያ ብሓይልታት ምክልኻል ዶባት ኤርትራ ተታሒዛ፡ ተኣሲራ። ብኸምዚ ዝብሃል በደል ብዙሓት ኤርትራውያን ግዳይ መቕጻዕቲን ማእሰርቲን ዝኾኑ እኳ እንተኾኑ፡ ንርእሶም ጥራይ ክሰግሩ ተታሒዞም ክንድዚ ናይ ሲሃም ግን ኣይጸንሑን።

መርማሪ ኮሚሽን ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ካብቲ ደጋጊሙ ዝጠቕሶ፡ ብመንግስቲ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ስድራቤት ካብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ወይ ካልእ ጻውዒት ንዝግበር ኣብያ ኣብ ልዕሊ ወለዶም ዝፍጾሞ ዝብሎ ተዘዋዋሪ መቕጻዕቲ’ዩ። ወለዲ ኣብ ክንዲ ዝሃደሙን ዝኾብለሉን ዕድመ ሰብ ዝበጽሑ ዜጋታት ምእሳርን ምቕጻዕን ሓደ ካብ መሰረታዊ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ምዃኑ’ዮም ተሓለቕቲ ትካላት ሰብኣዊ መሰላት ንመንግስቲ ኤርትራ ዝኸሱ።

ኣብ ኤርትራ ብዘይ ንቡር ፍርዳዊ መስርሕ ዝተኣስሩ ዜጋታትን ብተሓለቕቲ ትካላት ቀጻሊ ጻውዒት ዝቐርብ እኳ እንተዀነ ካብ መንግስቲ ኤርትራ ግን ዛጊት ኣወንታዊ ምላሽ ኣይረኸበን። ንኹነታት እዛ ትሕቲ-ዕድመ እንከላ ዝተኣስረት ሲሃም ዓሊ ዓብዱ መብርሂ ንምርካብ ካብ ሚኒስትሪ ዜና ኤርትራ ዝገበርናዮ ጻዕሪ ኣይቀንዐን።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG