ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣሜሪካ ንኔቶ ንምሕጋዝ ቅርቡነታ ገሊፃ


ምንስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዩናይትድ ስቴትስ ኣንቶኒ ብሊንከን ትማሊ ረቡዕ ኣብ ብራስለስ ኣብ ዝተዛዘመ ዋዕላ ወታደራዊ ቃል ኪዳን ሰሜናዊ ኣትላንቲ ኔቶ ኣሜሪካ ኔቶ ንምጥንኻር ዘለዋ ቅርቡነት ደጊሞም ኣረጋጊፆም።

ኣብ ርክባት Transatlantic ሓዱሽ ምዕራፍ ተፈጢሩ ኣሎ።ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት ሽዑ ፕሬዝዳንት ዩናይትድ ስቴትስ ዝነበሩ ዶናልድ ትራምፕ NATO ‘’ግዚኡ ዝሓለፎ’' ክብሉ ፀዊዖምዎ።ምንስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣንቶኒ ብሊንከር ግንእቲ ምትእምማን ዳግም ክህነፅ ንደሊ ኢና ክብሉተዛሪቦም።’’ናትና ዘይናወፅ መፅብዓ ምሳኹ ኣሎ።ኣሜሪካ ንኔቶ ምሉእ ደገፍ ንምሃብ ቅርብቲ እያ’’ ኢሎም።

እቲ ጥምረት ገጢሙዎ ዘሎ ወታደራዊ ስግኣት ክገልፁ ከለው ‘’ወታደራዊ ድልየት ቻይና ምስ ሓቅታት ቴክኖሎጂ ተደሚሩ በብዓመቱ እናዓበየ ይኸይድ ኣሎ።ኣብ ሓደ እዋን ብፍርቂ ዓለም ይርሕቕ ይብሃል ዝነበረ ብድሆ ድሕሪ ሎሚ ርሑቕ ኣይኮነን’’ ኢሎም።

ዋና ፀሓፊ ኔቶ Jens Stoltenberg, ንናይ ቱዩናይትድ ስቴትስ ድልውነት ብምምጓስ እቲ ጥምረት ገጢሙዎ ዘሎ ሓደጋታት ተዛሪቦም።

ሩሲያ ሓዱሽ ናይ ኒኩሌር ኣፅዋራት ምውፋራ ቀፂላ ኣላ እዮም ኢሎም።ብዙሓት ኣፅዋር ዝሽፍኑ ከም ቻይና ዝኣመሰላ ሃገራትን ስምምዓት የድልየና እዩ ኢሎም።

ምንስቴር ጉዳይ ወፃኢ ብሊንከን ዩናይትድ ስተት ኣባላት ሕብረት ኣውሮፓ ናይ ምክልኻል ወፃኢ ሸቱአን ከማልኣ ዩናይትድ ስቴትስ ትፅብቲ ትገብር ኢሎም።

XS
SM
MD
LG