ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መራሕቲ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝሳተፉዎ ዋዕላ ቻይና-ኣፍሪቃ ጀሚሩ


ፕረዚደንት ቻይና ሺ ዢንፒንግ ዘተኣናገዶ ዋዕላ ቻይና-ኣፍሪቃ ሎሚ ኣብ በይጂንግ ተጀሚሩ። ኣብዚ ዋዕላ ሰኑይ ምስ ፕረዚደንት ሺ ዝተራኸበ ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፈወርቂን ሎሚ ምስ ምስ መራሒ ቻይና ዝተራኸበ ቀዳማይ ሚንስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድን ይሳተፉ ኣለዉ።

ኣብዚ ዋዕላ ዝሳተፉ ዘለዉ መራሕቲ 25 ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ኣብቲ ምስ ቻይና ዝግበር ዝዓበየ ጽምዶ፡ ኣብ ተሓዳሲ ጸዓት፡ ትሕተ-ቅርጺን ጽላት ትምህርቲን ዘተኰረ ስምምዕ ክግበሩ ምዃኖም ኣገልግሎት ዜና ፈረንይ ኣብ ዘስፈሮ ዜና ኣመልኪቱ።

“ዝምድና ቻይናን ኣፍሪቃን ናብ ዝለዓለ ብራኸ በጺሑ” ዝበለ መራሒ ቻይና ሺ፡ ቅድሚ ምጅማር እቲ ዋዕላ’ውን ብተናጸል ምስ መራሕቲ በበይነን ሃገራት ድሮ ተራኺቡ ኣሎ። ሰኑይ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ተራኺቦም ኣብ ክልተኣዊ ርክባት ዝዝተዩ መራሕቲ፡ ኣብ ጽላት ሕርሻ፡ ትሕተ-ቅርጺን መራኸቢታት ሬድዮን ቴለቪዥንን ኣመልኪቶም’ውን ስምምዕ ክፍርሙ ምዃኖም ሮይተርስ ኣብ እዋኑ ጸብጺቡ ነይሩ።

ፕረዚደንት ሺ ምስ ብቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ኣሕመድ ዝምራሕ ልኡኽ ኢትዮጵያ’ውን ሎሚ ረቡዕ በይንኣዊ ርክብ ኣካዪዱ ነይሩ። ብመሰረት ካብ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ዝተረኽበ ሓበሬታ፡ እቶም መራሕቲ ኣብ ጽላት ሕርሻ፡ ትሕተ-ቅርጺ፡ መራኸቢታትን ቱሪዝምን ዝምልከት ዘተ ኣካዪዶም ኣለዉ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG