ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ምስ ፕረዚደንት ሺ ዢንፒንግ ተራኺቡ


ኣብ በይጂንግ ንዋዕላ ቻይና-ኣፍሪቃ ተጓዒዙ ዘሎ ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ትማሊ ሰኑይ ምስ ፕረዚደንት ቻይና ሺ ዢንፒንግ ክልተኣዊ ርክብ ምክያዶም ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ሓቢሩ።

ፕረዚደንት ሺ ን30 ዓመታት ዝኸደ ታሪኻዊ ምሕዝነት ክልቲኣን ሃገራት ብምጥቃስ፡ ኤርትራ ኣብ ናይ ወጻኢ ፖሊሲ እትኽተሎ ናጽነት ከም ዝምጕሶ ምግላጹ ሮይተርስ ይሕብር። ወሲኹ ፕረዚደንት ሺ፡ ሃገሩ ምስ ካልኦት ሃገራት እትገብሮ ጽምጾ ኣብ ክልተኣዊ ረብሓ ዝምርኰስ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ምስ ኤርትራ ዝህሉዎም ናይ ሓባር ረብሓን ስትራተጂን ጠቒሱ።

ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ጉዳይ ተሓዳሲ ጸዓት፡ ሕርሻን ካልእ ውጽኢት ቴክኖሎጂን ምትሕብባር ክገብሩን ቻይና ድማ ኣብቲ መዳይ ንኤርትራ ክትሕግዝ ምዝርራቦምን ሮይተርስ ሓቢሩ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስን ፕረሲደንት ሺን ኣብ ጽላታት ሕርሻ፡ መራኸቢታት ረድዮን ቴለቪዥንን ከምኡ’ውን ካልእ ጽላታት ኣመልኪቶም ክልተኣዊ ስምምዕ ክፍርሙ ምዃኖም ሮይተርስ ገሊጹ'ሎ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG