ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኩነታት ማእከላይ ኣፍሪቃ የንቆልቁል‘ሎ ይብል ሕ/ሃ


OUNHCHR
OUNHCHR
ኣብ ሪፐብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ ቀፂሉ ዘሎ ነገዳዊ ግጭት፣ናብ ዘፍርሕ ብርኪ ንሂሩ፣ክሳብ ምብልላዕ ሰባት ከምዝበፅሐ፣ሓላፊት ሰብኣዊ መሰላት ሕ/ሃ ገሊፀን።

ሓላፊት ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕ/ሃ ናቪ ፒለይ፣ሎሚ ሓሙስ ኣብ ባንጒይ ኣብ ዝሃበኦ ጋዜጣዊ መግለፂ’የን ነዚ ክውንነት ዝገለፃ።

ንሰን ኣብ ዘረበአን፣ሪፐብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ፣ሰባት ዝቅተሉላ ሃገር ጥራሕ ዘይኮነትስ፣ዝግረፉላ፣ኣካሎም ዝቁረፁላ፣ዝነዱላን ዝብልዑላን ሃገር‘ውን‘ያ ኮይና ዘላ ኢለን።

ወ/ሮ ፒለይ ወሲኸን፣መርመርቲ ሕ/ሃ፣እንተወሓደ ኣርባዕተ ሰባት፣በቶም ዝቀተልዎም ኣካሎም ዝተበልዑ ኮይኖም ከምዝረኸብዎም ጠቂሰን።

ማሕበረ-ሰብ ዓለም፣ንቅልውላው ማእከላይ ሪፐብሊክ ኣፍሪቃ ዝህቦ ዘሎ ጎታት ስጉምቲ ከምዘሻቀለን‘ውን ተዛሪበን።ብሕልፊ ሰብኣዊ ሓገዛት ኣዝዮ ትሑት ቆላሕታ ይረክብ‘ሎ ኢለን።
XS
SM
MD
LG