ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ካናዳ ዝጀመረ ባርዕ ሓዊ ይቕጽል ምህላው ተገሊጹ


ኣብ ካናዳ ገማግም ባሕሪ ኖቫ ስኮሽያ እትርከብ ግዝኣት ሓምሻይ መዓልቱ ሒዙ ዝርከብ ባርዕ ሓዊ ካብ ቁፅፅር ወፃኢ ይኸውን ኣሎ። እዚ ቅድሚ ሎም ኣጋጢሙ ዘይፈልጥ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ን18,000 ነበርቲ እቲ ከባቢ ካብ መንበሪኦም ኣመዛቢሉ'ሎ።

ምኽትል ሓላፊ መጥፋእቲ ሓዊ ግዝኣት ሃሊፋክስ ብሰንኪ ዘሎ ወሰኽ መጠን ዋዕን ከምኡ'ውን ስጋብ ፅባሕ ዓርቢ ምሸት ዝናብ ብዘይምህላው ቀሊጢፎም ናብ መንበርታቶም ዝምለስሉ ኩነታት ከምዘይህሉ ገሊፆም። ንሶም ወሲኾም መዓልታዊ ምስ ዝቀያየር መጠን ንፋስን ደረቅ ኩነታት ኣየርን ነቲ ኩነታት የበእሶ ምህላውን ኣብ ስርሖም ጸቕጢ ከምዝፈጠረን ሓቢሮም።

ዛጊት በቲ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ 150 ኣባይትን 20 ህንፃታት ምዕናዎም ሰበስልጣን መጥፋእቲ ሓዊ ዝሓበሩ ኾይኖም መበገሲ እቲ ባርዕ ሰባት ዝፈጠርዎ ስሕተት ክኸውን ከምዝኽእል ሓደ ኣብ ሓለዋ ከባቢ ኣግራብ ዝሰርሕ ሓቢሩ።

ኣመሓዳሪ ግዝኣት ስኮሽያ ቲም ሂዩስተን ኣብሪ ኸባቢ ዝግበር ዝኾነ ዓይነት ምንቅስቃስ ጠጠው ክብል ዝኣወጁ ኮይኖም ከምኡ'ውን ሰባት ባርዕ ክፈጥሩ ዝኽእሉ ነገራት ካብ ምግባር ክቑጠቡ ተማሕፂኖም።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG