ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ብራስለስ ዝርከቡ ሚኒስትር ወጻኢ ጉዳያት ኣሜሪካ ‘በዚ ኣይንፈራራሕን’ ኢሎም


ሚኒስትር ወጻኢ ጉዳያት ኣሜሪካ ጆን ኬሪ (ጸጋም) ቀዳማይ ሚኒስትር በልጁም ቻርለስ ሚካኤል (የማን) መጋቢት 25, 2016
ሚኒስትር ወጻኢ ጉዳያት ኣሜሪካ ጆን ኬሪ (ጸጋም) ቀዳማይ ሚኒስትር በልጁም ቻርለስ ሚካኤል (የማን) መጋቢት 25, 2016

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ጆን ኬሪ ምስ መራሕቲ ሃገራት ኣውሮጳ ኣብ ብራስለስ ተራኺቦም። እዚ ርኽብ ኣብቲ መራኸቢ ብዙሃን ኣሜሪካ ትማሊ ሶሉስ ኣብ ብራስለስ ዘጋጠመ መጥቓዕቲ ካብ ዝሞቱ ክልተ ኣሜሪካዊያን ምኳኖም ኣብ ዝገልጽሉ ዘለዉ’ዩ።

ብመሰረት ጸብጻብ ካብዚ ካብ ኣሜሪካ ዝፍነው NBC News እዞም ክልተ ኣሜሪካዊያን ግዳያት ካብቶም ኣብቲ መጥቓዕቲ ዝሞቱ ልዕሊ 30 ሰባት ምኳኖም ይገልጹ። ሓደ ስሙ ዘይተገልጸ በዓል ስልጣን ኣሜሪካ ኣስማት ኮነ መንነት እቶም ግዳያት ገና ወግዓዊ ከምዝይኮነን ንስድራ ቤቶም ንምንጋር ኣብ ምጽራይ ከምዝርኸቡን ሓቢሮም።

ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ኣሜሪካ ጆን ኬሪ ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር በልጁም ኣብ ዝሃብዎ ሓባራዊ መግለጺ ኣሜሪካ ኣብቲ መጥቓዕቲ ንዝሞቱ ኣሜሪካዊያን ወሲኻ ምስ ህዝቢ በልጁም ኣብ ሓዘን ምህላዎም ገሊጾም።

ሚኒስተር ኬሪ ንዝኽሪ ግዳያት`ቲ ናይ ሶሉስ መጥቃዕቲ ብራስለስ ዕንባባ ኣንቢሮም
ሚኒስተር ኬሪ ንዝኽሪ ግዳያት`ቲ ናይ ሶሉስ መጥቃዕቲ ብራስለስ ዕንባባ ኣንቢሮም

‘ኣሜሪካ ኣብዚ ዘሕዝን ኣጋጣሚ ኣብ ጎድኒ በልጁምን ሃገራት ኣውሮጳን ደው ትብል። ነቶም እቲ ሓደጋ ምስ ኣጋጠመ ሂወት ንምድሓንን ንዝቆሰሉ ንምሕካምን ናብቲ ቦታ ዝከዱ ኩሎም ድማ ነመስግን። ኣብቲ ነዚ ጭካነ ዝተመልኦ ተግባር ግብረ-ሽበራ ዝፈጸሙ ንምሓዝ ዝካየድ ምርመራን ንፈጸምቲ ናብ ሕጊ ንምቕራብ ዝካየድ መስርሕን ዘድልይ ሓገዝ ምብርካት’ውን ክንቕጽል ኢና።’

ሚስተር ኬሪ ብተወሳኺ ዳዕሽ ሓላፍነት እዚ መጥቓዕቲ ከምዝወሰደ ድሕሪ ምግላጽ ነዚ ጉጅለ ዝድግፍ መንግስቲ ኣብ መላእ ዓለም የለን ኢሎም። ብምቅጻል ንሶምን ሕብረት 60 ሃገራትን ፡ እዚ ጉጅለ ሽበራ ካብ ገጽ መሬት ክሳብ ዝእለ ከምዘየዕርፉ ገሊጾም።

ሚኒስተር ኬሪ ኣብቲ ናይ ብራስለስ ምብጽሖም ምስ ፕረዝደንት ኮሚሽን ኣውሮጳ ዥን ክላውደ ጃከር ድሕሪ ምርኻብ፡ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ንዝኽሪ ግዳያት`ቲ ናይ ሶሉስ መጥቃዕቲ ብራስለስ ዕንባባ ኣንቢሮም።

ሰበ-ስልጣን ቤልጁም ብወገኖም፡ እቲ መጥቓዕቲ ከመይ ከምተፈጸመ ኣመት ንምርኻብን ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር ኣብ መጥቓዕቲ ፓሪስ ዝተሳተፉ፡ ብራስለስ መሰረቶም ዝገበረ ዕጡቓት ንምርካብን ምርመራ ኣብ ምኽያድ ይረኽቡ።

ሰበ-ስልጣን ኣሜሪካ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ ነቲ ናይ ሶሉስ መጥቓዕቲ ዝፈጸሙ ክልተ ኣሕዋት ኢብራሂምን ካልድ ኢል-ባካሩ ኣብ ዝርዝር ሽም ጥርጡራት ሽበራ ኣሜሪካ ምጽንሖም ይገልጹ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ኣብ ብራስለስ ዝርከቡ ሚኒስትር ወጻኢ ጉዳያት ኣሜሪካ ‘በዚ ኣይንፈራራሕን’ ኢሎም
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:16 0:00

XS
SM
MD
LG