ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ብራስልስ ዘጋጠመ መጥቓዕቲ ቦምብ ልዕሊ 30 ሞይቶም ካልኦት 130 ቆሲሎም


ዋና ከተማ ቤልጁም ብራስለስ ሎሚ ብዘጋጠመ ተኸታታሊ መጥቓዕትታት ቦምብ ተናዊጻ’ላ።እቲ መጥቓዕትታት ክልተ ኣብ መዕረፎ ነፈርቲ ዘጋጠመ ክከውን ከሎ ሓደ ድማ ኣብ መዋፈሪ ባቡር ትሕቲ ምድሪ’ዩ።

በቶም መጥቓዕትታት ክሳብ ሕጂ ዝተፈልጡ 30 ሰባት ሞይቶም ካልኦት 130 ድማ ቆሲሎም ኣለው።ኣብዚ እዋን’ዚ ኣውሮጳ ኣብ ዝለዓለ ናይ ጸጥታ ተጠንቀቕ ትርከብ።ኣብ ምብጻሕ ሃገረ ኩባ ዝርከቡ ፕረዝደንት ኦባማ ነቲ መጥቓዕቲ ዝፈጸሙ ናብ ሕጊ ንምቕራብ ዝክኣለና ክንገብር ኢና ኢሎም።

ብኣቆጻጽራ በልጁም ከባቢ ሰዓት ክልተ ንግሆ መዕረፎ ነፈርቲ ዛቨንተም ብማንታ መጥቓዕታት ቦምብ ዝተናወጸት፡ተሳፈርቲ ዝኣትውሉ ኣዳራሻት’ቲ መዓርፎ ነፈርቲ ብስብርባራት መሊኦም፣ብትኪ ተዓፊኖም፣ህይወት ሓያሎ ሰባት ጠፊኡን እዩ።

መዕረፎ ነፈርቲ ምስተጠቕዐ ድሕሪ ፍርቂ ስዓት መብዛሕቲኦም ትካላት ሕብረት ኣውሮጳ ኣብ ዝርከብሉ ኣብ ማእኸል ከተማ ብራስለስ ዝርከብ መሳፈሪ ባቡር ማልቢክ ድማ ካልእ ቦምብ ተተኲሱ።

ድሕሪ መጥቓዕትታት ሰባት በብዝሒ ክሃድሙ ተራእዮም። ኣብ ጎኒ ቀዳማይ ሚኒስትር ቤልጀም ቻርለስ ሚሸል ኮይኖም መግለጺ ዝሃቡ ዓቃቢ ሕጊ ፍረደሪክ ቫን ሊው እንተወሓደ ሓደ ካብቲ መጥቓዕቲ ብርእሰ ቕትለታዊ ክኸውን ይኽእል እዩ ኢሎም።

ናይ ኣሜሪካ ፕሬዝዳንት ባራክ ኦባማ ኣብ ሃቫና ኣብ ዘስምዕዎ መደረ መጥቓዕቲ ዝፈጸሙ ናብ ፍርዲ ንምቕራብ ንቤልጀማዊያን መሻርኽትና ንምሕጋዝ ኩሉ ዘድሊ ክንገብር ኢና ኢሎም።ብምስዓብ ኣብ ልዕሊ ንጹሃን ሰባት ዝተፈጸመ ዘሕፍር መጥቓዕቲ ኣሜሪካ ኣብ ጎኒ ቤልጀም ደው ኢላ’ላ ኢሎም።

ሰበስልጣን ፍራንክፈርት፣ለንደን፤ፓሪስን ሆላንድን ኣብ መዓርፎ ነፈርቶም ጸጥታ ኣሐይሎም ኣለዉ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ኣብ ብራስልስ ዘጋጠመ መጥቓዕቲ ቦምብ ልዕሊ 30 ሞይቶም ካልኦት 130 ቆሲሎም
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:49 0:00

ብራስለስ ርእሰ ክተማ ቤልጅዩም ዓሰርተታት ህይወት ብዝቐዘፈ ሰለስተ መጥቃዕትታት ቦምብ ትናወጽ
please wait

No media source currently available

0:00 0:01:01 0:00


XS
SM
MD
LG