ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሰማያዊ ፓርቲ ዝጸውዖ አኼባ ብምምሕዳር አዲስ አበባ ምኽልኻሉ ገሊጹ: መንግስቲ ግን አሉታዊ መልሲ ይህብ


ሰማያዊ ፓርቲ ‘’ንኢትዮጵያ መን የድሕና’’ ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ንዝቕፅል ሰንበት ፀዊዑዎ ዝነበረ ኣኼባ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ከምዝኸልከሎ ምኽትል ኣቦ ወንበርን ሓላፊ ጉዳይ ምርጫን ናይቲ ውድብ ኣቶ ጌታነህ ባልቻ ገሊፆም።እቲ ምምሕዳር ግን ዝፈልጦ ነገር የብለይን ኢሉ’ሎ።

ናይ ሰማያዊ ፓርቲ ምኽትል ኣቦ ወንበርን ሓላፊ ጉዳይ ምርጫን ኣቶ ጌታነህ ባልቻ ኣኼባ ንምክያድ ኣፍልጦ ንምሕታት ናብ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ብኣካል ከይዶም ፍቓድ ከምዝተኸልከሉ ገሊፆም።

ብቓል ዝተዛረቡዎም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሓላፊ ክፍሊ ምሃብ ኣፍልጦ ሰላማዊ ሰልፍን ናይ ኣደባባይ ኣኼባን ኣቶ ተስፋየ ዋቅጅራ ከምዝኾኑ ኣቶ ጌታነህ ሓቢሮም።

ኣቶ ተስፋየ ዋቅጅራ ብቪኦኤ ተሓቲቶም ኣብዝሃብዎ መልሲ ብዛዕባ እቲ ዝተፀውዐ ሰልፊ ዝፈልጦ የብለይን ኢሎም ኣለው።

ሰማያዊ ፓርቲ ንህዝቢ ኣኪቡ ከዘራርበሉ ዝደልዮ ጉዳይ ተሓቲቶም ኣቶ ጌታነህ ባልቻ ከምዚ ይብሉ።

"ኣብቶም ዝሓለፉ ዓመታት ኣብታ ሃገር ይኽሰት ዘሎ ሽግር ኢትዮጵያዊያን ተላዚቦም ክፈትሕዎ ኣለዎም።ቀንዲ ፍታሕ ብተዳጋጋሚ ይፍጠር ንዘሎ ፀገም ኩልትና ሰብ ዋና እታ ሃገር እንተተዘራሪብና ጥራሕ እዩ።"

ሰብ ዋና እታ ሃገር ምሁራን፣ዓበይቲ ዓዲ፣ትካላት ስቪል ማሕበረሰብ፣ፖለቲካዊ ፓርትታት ከምኡ እውን ኣብ ውሽጢ ይኹን ኣብ ወፃኢ ዝነብሩ ዜጋታት ኩሎም ናይ ሃገሮም ንምፍታሕ ክዝትዩ ኣለዎም ኢሎም።

ኣቶ ጌታነህ ቅድሚ ሎሚ ህዝባዊ ኣኼባታት ኣካይዶም ከምዝነበሩ ብምግላፅ ካልኦት ተኸታተልቲ ኣኼባታትን ናይ ተቓውሞ ሰልፍን ንምክያድ ሕቶታት ኣቕሪቦም ምስ ተኸልከሉ ነቲ ምምሕዳር ኣብ ቤት ፍርዲ ኸሲሶም ሎማዕንቲ ዓርቢ ሓዊሱ ንክልተ ግዜ ብዘይምቕራቡ ዝኸልከለሉ ምኽንያት ን18 ጥሪ 2010 ዓ/ም ቀሪቡ ከረድእ ቤት ፍርዲ ምእዛዙ ገሊፆም ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል

XS
SM
MD
LG