ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ትካላት ረድኤት ደቡብ ሱዳን ኣብዝርከብ መዕቖቢ ስደተኛታት ዶሮ ዘሎ ሽግር ሊጅስቲክስ ንምፋታሕ እናፈተና ኢና ይብሉ


ቅድሚ ሓደ ሰሙን ኣብቲ መዕቖቢ ስደተኛታት ዝበፅሑ ካልኦት ብዙሓት ሰባት ሕዚ’ውም ጠምየኦም ይርከ

ደቡብ ሱዳን ኣብዝርከብን ልዕሊ 20 ሽሕ ስደተኛታት ዝተዓቖቡሉን መፅለሊ ስደተኛታት ዶሮ ተስፋ ምቑራፅን ጥምየትን እናዓበየ ይኸይድ ኣሎ።እቶም ስደተኛታት ኣብ ቀረባ ሰሙናት ኣብ ክፍለ ግዝኣት ብሉ ናይል ብዝተፈፀመ ደብዳብ ነፈቲ ሃዲሞም ዝመፁ እዮም።

ኣብ ደቡብ ሱዳን ክፍለ ግዝኣት UPPER NILE ኣማእቲ ሰባት ትካላት ረድኤት ናብዝምዝገብሉ ንምምዝጋብ ተኣኪቦም ይርአዩ።ኣብ ክፍለ ግዝኣት ብሉ ናይል ካብዝተፈፀመ ናይ ነፈርቲ ደባብ ብምስጋእ ከምዝሃደሙ ይዛረቡ።

ቅድሚ ሓደ ሰሙን ኣብቲ መዕቖቢ ስደተኛታት ዝበፅሑ ካልኦት ብዙሓት ሰባት ሕዚ’ውም ጠምየኦም ይርከቡ።ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ሕቡራት መንግስታት ኣብዚ ርሑቕ መዕቖቢ ስደተኛታት ሎጂስቲካውን ናይ ቀረብን ሽግራት ንምፍታሕ እናፈተነ እዩ።

ኣብ ብሉ ናይል ኣብ መንጎ ወታደራት ሱዳንን ቅድሚ ነፃ ምውፅኣ ምስ ደቡብ ሱዳን ብምዃን ሓቢሮም ይዋግኡ ዝነበሩ ሓይልታትን ግጭት እናተጎሃሀረ ይርከብ።

XS
SM
MD
LG