ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሚ/ጉ/ወ ኣመሪካ ናብ ኣፍሪቃ ዑደቶም ዛዚሞም


ሚ/ጉ/ወ ኣመሪካ ናብ ኣፍሪቃ ዑደቶም ዛዚሞም
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:29 0:00

ሚ/ጉ/ወ ኣመሪካ ናብ ኣፍሪቃ ዑደቶም ዛዚሞም

ሚንስተር ጉዳያት ወፃኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ምስ መራሕቲ ኣንጎላ ብምርኻብ ኣብ ፕሮጀክቻት ትሕተ- ቅርጺ መገዲ ባቡር እናወሰኸ ይኸይድ ንዘሎ ምትሕብባር ብምጉላሕ ኣብተን ንዴሞክራሲ ዝድግፋ ኣርባዕተ ሃገራት ኣፍሪቃ ዘካየዱዎ ዑደት ዛዚሞም።

ሚንስተር ጉዳያት ወፃኢ ብሊንከን ናይ ኣፍሪቃ ዑደቶም ትማሊ ሓሙስ ዛዚሞም ኣለው። ንሶም ኣመሪካ ንኣንጎላ ሓዊሱ ኣብታ ኣህጉር ምስ ዘለዋ ዴሞክራሲያዊያን ሃገራት ተወሳኺ ሓባራዊ ባይታን ሓባራዊ መፃኢን ንክህልዋ ትደሊ እያ ኢሎም።

"ፕረዚደንት ባይደን ኣብ ሕዳር ኣብ ዋይት ሃውስ ንፕረዚደንት ኣንጎላ ላውረንሶ ኣብ መንጎ ኣመሪካን ኣንጎላን ዘሎ ሽርክነት ታሪኻዊ ምዃኑ ኣረጋጊፆምሎም። ርክብና ድልዱል እዩ፤ ኣገዳሲ እዩ፤ ካብቲ ናይ ሰላሳ ዓመታት ምሕዝነትና ንላዕሊ እዩ በፂሑ፤ እሞ ድማ ኣብዚ ወሳኒ ግዜ ለውጢ ፕረዚደንት ባይደን ርክባትና ብተዓፃፃፊ ንክምዕብል ንክሕግዝ ናብ ሉዋንዳ ክመፅእ ሓቲቶምኒ።"

ኣብ ዋና ከተማ ኣንጎላ ብሊንከን ናይ ሎቢቶ ጮርሪዶር መገዲ ባቡር ዝርኣዩ ክኾኑ ከለው ነቲ ኣንጎላ ምስ ዴሞክራቲክ ሪፓብሊክ ኮንጎን ዛምቢያን ዘራኽብ መገዲ ባቡር ካብቲ ትፅቢት ዝገበርኩዎ ንላዕሊ ስሉጥ እዩ ኢሎም። ኣብ ናይ ኣመሪካ ናይ ሰላም ኢንስቲትዩት ክኢላ ኣፍሪቃ ተሪ ሚኩለይ ኣብታ ክፍለ ዓለም ኣዚዩ ህንጡይ ዝኾነ ናይ ኣመሪካ ፕሮጀክት ትሕተ-ቅርጺ እዩ። ቻይና እውን ንነዊሕ እዋን ኣብ ተመሳሳሊ ሰፋሕቲ ስራሕት ክትሳተፍ ፀኒሓ እያ ይብል።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG