ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቢንያም ምስ ሓምላይ ማልያኡ -- ዓወት ንኣፍሪቃ


ቢንያም ምስ ሓምላይ ማልያኡ -- ዓወት ንኣፍሪቃ
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:34 0:00

ቢንያም ምስ ሓምላይ ማልያኡ -- ዓወት ንኣፍሪቃ

ሰንበት ኣብ ኒስ ፈረንሳ ዝተዛዘመ መበል 111 ዙር ፈረንሳ፡ ብሓፈሻ ዕዉት እቲ ውድድር ስሎቫንያዊ ታዴ ፖጋቻ ክኸውን እንከሎ፡ ድሕሪ ብጫ ማልያ ብኻልኣይ ኣብ እትስራዕ ቀጠልያ ማልያ ንገዛእ ርእሱን፡ ሃገሩን ኣህጉር ኣፍሪቃን ንፈለማ ዘግዘመ ኤርትራዊ ቢንያም ግርማይ ድማ ሓድሽ ታሪኽ ኣመዝጊቡ ኣሎ። በልጅማዊ ሮሜኮ ኢቫንፖል ናይ መንእሰያት ጻዕዳ ማልያ ክሽለም እንከሎ፡ ኢኳዶራዊ ሪቻርድ ካራፓዝ ድማ ኣንበሳ ዓቐብ ኰይኑ ውድድሩ ዛዚሙ ኣሎ። ድሕሪ ዓወቱ ምስ ጋንታኡ ኢንተርማርሸ ዘለዎ ጻንሖት ክሳብ 2028 ከም ዘናውሐ ሎሚ ሰኑይ ወግዓዊ ዝዀነ ቢንያም፡ ድሕሪ ነፍሲ-ወከፍ ዓወቱ ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ደገፍቲ ዝነበሮ ግብረ-መልሲ ኣብ ታሪኽ ኤርትራ ሳሕቲ ዝርአ ክስተት’ዩ ይብል ወኪል ድምጺ ኣመሪካ ካብ ኣስመራ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG