ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

“ደንጉዩ ግን እንቋዕ ኣይበኾረ” ዝተባህለ ዑደት ፕረ. ባይደን ናብ ኣንጎላ


ርክብ ፕረዚደንት ባይደን ምስ ፕረዚደንት ኣንጎላ ሎረንሶ
ርክብ ፕረዚደንት ባይደን ምስ ፕረዚደንት ኣንጎላ ሎረንሶ

ቅድሚ ክልተ ዓመታት ኣብ ዋዕላ ኣመሪካ-ኣፍሪቃ ናብታ ኣህጉር ክበጽሕ መደብ ከም ዘለዎ ዘመልከተ ፕረዚደንት ጆ ባይደን፡ ናይ ኣፍሪቃ ዑደቱ ትማሊ ሰኑይ ጀሚሩ ኣሎ። ድምጺ ኣመሪካ ዘዘራረቦም ተንተንቲ ግን እቲ ዑደት ደንጉዩ በሃልቲ’ዩም።

ሰብ-መዚ ቤተ-መንግስቲ ዋይት-ሃውስ ባይደን ናይ 2022 መብጽዓኡ ዘተግብረሉን ምስ ኣህጉር ኣፍሪቃ ንዝህሉዎ ምትእስሳር ዘጕልሕን ምዃኑ ይነግሩ። ካብ መዝነት ንምውራድ ኣስታት ክልተ ኣዋርሕ ጥራይ ኣብ ዝተረፎ እዋን ዝግበር ዘሎ ዑደት ግን ንገለ ተንተንቲ ዝደንጎየን ክብደት ዘይብሉን’ዩ።

ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ዝመደሩ ትካል ኦክስፍሮድ ኢኮኖሚክስ ኣፍሪካ (Oxford Economics Africa) ላዕለዋይ ተንታኒ ዝዀነ ሎው ኔል ሓደ ካብቶም ብዛዕባ ግዜ እዚ ዑደት ዕቃበታት ዘለዎም’ዩ።

“ከም ዝመስለኒ እዚ ዑደት’ዚ ኣቐዲሙ ተፈጺሙ እንተ ዝነብር፡ ዝያዳ ትርጕምን ኣድማዕነትን ምሃለዎ። ሕጂ ግን ካብ ፕረዚደንታዊ ውድድር ድሕሪ ምስሓቡን ተመሊሱ ናብ መዝነት ክመጽእ ዘይምዃን ድሕሪ ምንጻሩን ግን ከምዚ ድሒሩ ዝተሓስበ መተዓረቒ መደባት ይመስል።”

ከም ኣገልግላጻ ቤተ-መንግስቲ ኣመሪካ፡ ዑደት ባይደን ኣብ መሪሕነት ኣፍሪቃ፡ ንግዲ፡ ወፍሪን ጽላት ትሕተ-ቅርጺን ዘተኰረ’ዩ። ማዕረኡ ድማ ኣመሪካ ምስ ኣንጎላ ዝህሉዋ ንግዳዊ ሽርክነትን ካልእ ምትእስሳር ኣብ ጽላት ጸጥታን ጥዕናን’ውን ንምድንፋዕ’ዩ።

ቀንዲ ዛዕባ ናይዚ ዑደት ግን ኣብ ኮሮዲዮ ሎቢቶ ዘተኰረ’ዩ። እዚ ካብ ታሪኻዊ ወደብ ሎቢቶ ናብ ኣንጎላ ዝነቅል መስመር መንገዲ ባቡር ንደሞክራሲያዊት ርፓብሊክ ኮንጎ ካብኡ ሓሊፉ ድማ ክሳብ ዛምቢያ ክዝርጋሕ መደብ ተታሒዙሉ ዘሎ’ዩ።

ነዚ ኣስታት 1,300 ኪሎሜተር ዝዝርጋሕ መስመር፡ ኣመሪካ ክሳብ ሰለስተ ቢልዮን ዶላር ወፍሪ ክትገብረሉ’ያ። ሎሚ ሰሉስ ፕረዚደንት ባይደን ምስ ፕረዚደንት ኣንጎላ ዡዋ ሎሬንሶ ኣብ ዝተዘራረበሉ እዋን፡ “ምልእቲ ኣመሪካ ኣብ ኣፍሪቃ’ያ ዘላ፡” ክብል ተዛሪቡ።

“ኣመሪካ ብዅሉንትናኣ ኣብ ኣፍሪቃ’ያ ዘላ። ምሉእ ብምሉእ ኣብ ኣፍሪቃ። ቅድሚ ሎሚ ከምኡ ክብል ተዛሪበ ነይረ። ሓደ መርኣያ ናቱ ድማ እዚ መጺአዮ ዘለኹ ጕዕዞ’ዩ። ኣመሪካ ኣብ ኣንጎላ’ያ ዘላ። ምምሕዳረይ ጥራይ ኣብ ኣንጎላ ናይ ሰለስተ ቢልዮን ዶላር ወፍሪ ገይሩ ኣሎ። መጻኢ ዓለም ኣብዚ ኣብ ኣንጎላ’ዩ ዘሎ። ስለዚ ኣብዚ ዑደተይ ደሞክራሲ ከመይ ከም እነርጋግጽን ብሓባር ከም እንሰርሕን ክንዝቲ ኢና።”

እዚ ምስ በበይኖም መሻርኽቲ ኣካላት ብምትሕብባር ዝግበር ዘሎ ኮሮዲዮ፡ ነቲ ኣብ ትሕተ-ቅርጺ ዘሎ መሰረታዊ ሕጽረት ብምጽባብ፡ ንቝጠባዊ ድንፋዐ እተን ሃገራትን ምስግጋር ኣገዳስቲ ንብረትን ወሳኒ ተራ ክጻወት ትጽቢት ይግበሮ።

ዶክተር ፍረንሰስ ብራውን ኣብ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ክፍሊ ጉዳያት ኣፍሪቃ ተሓጋጋዚት’ያ። ብዛዕባ ኣገዳስነት ኮሮዲዮ ሎቢቶ ከተብርህ እንከላ፤

“ሓደ ኣገዳሲ ነጥቢ ናይ ኮሮዲዮ ሎቢቶ፡ ብዛዕባ መንገዲ ባቡርን ኣገደስቲ ማዕድነትን ጥራይ ኣይኰነን። ካብኡ ንልዕሊ ብዛዕባ’ቶም ኣብቲ መስመር ዝነብሩ ሕብረተሰብን ንዓኣቶ ድማ ተጠቀምቲ መሰረታዊ ኣገልግሎት ምግባሮምን’ዩ። እዞም ማሕበረኮማት ንዕድላት ትምህርቲ፡ ሕርሻን ዝዓበየ ዕዳጋን ዕድላት ዝኸፍት’ዩ።”

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ መንጎ ኣንጎላን ኣመሪካን ናይ 1.77 ቢልዮን ዶላር ንግዳዊ ልውውጥ ተገይሩ። እዚ ድማ ንኣንጎላ ኣብ ሃገራት ትሕተ-ሳህራ ኣፍሪቃ ራብዐይቲ ዝዓበየት ንግዳዊት መሻርኽቲ ኣመሪካ ይገብራ።

ኣዝዩ ሃብታም ክዙን ማዕድን ዘለዋ ኣንጎላ፡ ብደረጃ ኣፍሪቃ’ውን ሳልሰይቲ ዝዓበየት ኣፍራዪ ነዳዲ’ያ። ጸብጻባት ተሓላቒ ትካል ኣምንስቲ ኢንተርናሽናል ከም ዝጠቕሶ ግን እዚ ዑቕር ሃብቲ እዛ ሃገር ናብ ዜጋታት ብማዕረ ኣይተማቓረሐን። ብሰንኪ ኣብታ ሃገር ዝርአ ድኽነትን ስራሕ-ኣልቦነትን ድማ ተደጋጋሚ ሰለማዊ ስልፍታትን ተቓውሞን ተራእዩ’ዩ።

ዑደት ባይደን ግን ንኣንጎላውያን ጽቡቕ ተስፋ ከም ዝህብ’ዩ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝመደበሩ ኔል ዝኣምን። ከም መጎተኡ ድማ ኣንጎላውያን ኣብ ክንዲ ኣብ ነዳዲ ጥራይ ምምርኳስ ቍጠባ እታ ሃገር ናብ ካልእ ዕቑር ሃብቲ’ውን ከስፍሑዎ’ዩ ድሌት ዘለዎም። እዚ ከም ኮሮዲዮ ሎቢቶ ዝኣመሰሉ መደባት ድማ ነዚ ናይ ምስፋሕ መደብ ክዕብዩ ተኽእሎኦም ርሒብ’ዩ ይብል።

ንተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ግን ዑደት ባይደን ጽቡቕ ዜና ኣይኰነን። መሪሕነት ፕረዚደንት ዡዋ ሎሬንሶ ኣብታ ሃገር ዓፋኒ ፖሊሲታት ሰብኣዊ መሰላት እናካየደ፡ ፕረዚደት ባይደን ናብታ ሃገር ዑደት ምግባሩ፡ ብተዘዋዋሪ ድጋፍ ምርኣይ ምዃኑ ዝኣምኑ ኣለዉ። ተሓላቒ ትካል ኣምንስቲ ከም ዝጠቕሶ፡ ፕረዚደንት ሎረንሶ ነቕፌታ ዘይቅበልን ንተቓወምቱ ድማ ምሕረት ዘይገብርን’ዩ። ባይደን ንሰብኣዊ መሰላት ዝጣብቐ እንተዀይኑ፡ ወይ ኣብ ልዕሊ እቲ መሪሕነት ጸቕጢ ክገብር ይትስፈዉ። ሓያሎ ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣብ ዘለዉሉ ድማ ዑደት ፕረዚደንት ባይደን ገለ ለውጢ ከምጽእ ትጽቢት ይገብሩ።

ፕረዚደንት ባይደን ጽባሕ ረቡዕ’ዩ ናብ ወደባዊት ከተማ ሎቢቶ ክበጽሕ መደብ ተታሒዙ'ሎ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG