ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

"ነታናያሁ ንዂናት ቓዛ ዝሓዘሉ ኣገባብ ግጉይ'ዩ፡" ፕረ. ባይደን


ፋይል
ፋይል

ፕረዚደንት ባይደን፡ ቀ/ሚ ነታንያሁ ንውግእ ቓዛ ዝሓዝሉ ኣገባብ ጌጋ እዩ ኢሎም፤ እዚ ነቲ ኣብ መንጎ ክልቲኣን መሻርኽቲ ዝረኣ ዘሎ ፍልልያት ዘጋድድ እዩ።

ንሶም ትማሊ ምሽት ሰሉስ ኣብ ዝተፈነወ ርእይቶ ኣብ ዅናት እስራኤል ኣብ ቓዛ ሓያል ነቐፌታ ኣስሚዖም ኣለው። ተወሳኺ ረድኤት ናብ ቓዛ ንክበጽሕ ቶኽሲ ጠጠው ክብል'ውን ሓቲቶም።

እዚ ኣብ መንጎ ኽልቲኣን መሻርኽቲ ዝነበረ ክፍተት ዘስፍሕ እዩ።

ፕረዚደንት ባይደን ሓማስ ኣብ ውሽጢ እስራኤል ዘካየዶ መጥቃዕቲ ስዒቡ እስራኤል ኣንፃር ሓማስ ንእተካይዶ ኲናት ብግሁድ ክድግፉ'ዮም ጸኒሖም እንተኾነ ግን ኣብ ቀረባ ሰሙናት ግን ምምሕዳሮም ምስ እስራኤል ትርር ዝበለ መርገፂ ይሕዝ ኣሎ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG