ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

እስራኤል ንሲቪላዊያን ሰባትን ሰራሕተኛታት ረድኤትን ክትከላኸል ፕረ.ባይደን ጸዊዖም


ኣመሪካ፣ ንእስራኤል ኣብ ቀጻሊ ትልግሶ ሓገዝ ዝውሰን ንሲቪላዊያን ሰባትን ሰራሕተኛታት ትካላት ረድኤትን ካብ መጥቃዕቲ ንምክልኻል ብትወስዶ ስጉምቲ’ዩ’ ክብሉ ፕረዚደንት ባይደን ንቀ/ሚ ነታንያሁ ተዛሪቦም።

ንዋዕላ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ (ኔቶ) ኣብ ብራስልስ ዝርከቡ ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ብሊንከን፣ "ፕረዚደንት ባይደን፣ ምስ ቀ/ሚ ኔታንያሁ ብቴለፎን ኣብ ዝተራኸቡሉ እዋን፣ ኣብ ልዕሊ ሰራሕተኛታት ትካላት ረድኤትን ሰብኣዊ መሰላትን ዝፍጸም መጥቃዕቲ ተቀባልነት ዘይብሉ እዩ" ከምዝበልዎም ጠቂሶም።

እዚ ናይ ሎሚ መግለጺ ይዋሃብ ዘሎ፣ ነፈርቲ ውግእ እስራኤል ትማሊ ሓሙስ ንሸውዓተ ሰራሕተኛታት ትካላት ረድኤት ድሕሪ ምቅታለን እዩ። ኣብ ሞንጎ’ቶም መራሕቲ ዝጸንሐ ርክብ’ውን ሓርፊፉ ኣሎ።

እቶም ፕረዚደንት ወሲኾም "መጠን ሰብኣዊ ቀረባት ይውስኽ ኣሎ፣ እንተኾነ፣ ምስ’ቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ኩነታት ብምንጽጻር ግና፣ ኣዝዩ ኣሰካፊን ተቀባልነት ዘይብሉን’ዩ" ኢሎም።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG