ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሃገራዊ ምርጫ ማሊ ንካልእ እዋን ተመሓላሊፉ


ሪፈረንደም ማሊ - ፋይል
ሪፈረንደም ማሊ - ፋይል

ኣብ ማሊ ቅድሚ ሰለስተ ዓመታት ወታሃደራዊ ዕልዋ ድሕሪ ምክያዱ ነታ ሃገር ናብ ዲሞክራሲያዊ ስርዓት ክትሰጋገር ተስፋ ዝተነብረሉ ሃገራዊ ምርጫ ናብ ካልእ ጊዜ ምትሕልላፉ ተገሊጹ።

መሰጋገሪ መንግስቲ'ታ ሃገር ኣብ’ዚ ቀረባ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ካብ መሰጋገሪ እዋን ዝገላግል ንፕረዚደንታዊ ምርጫ ጥራሕ ከምዘዳልው ጠቂሱ ነይሩ።

እቶም ካልኦት ዓይነታት ምርጫ፣ ካልእ ሓይሊ ዕማም ከምዝወጸሎምን፣ ብመሰረት ዝምረጽ ሓድሽ ፕረዚደንት ዝሕንጽጾ መደብ ዝፍጸሙ ከምዝኾኑን እቲ መግለጺ ሓቢሩ ኣሎ።

ፈላማይ ዙር ፕረዚደንታዊ ምርጫ ቀዳማይ ሰሙን ለካቲት፣ ካልኣይ ዙር ምርጫ ድሕሪ ክልተ ሰሙን ኣብ ዘሎ ጊዜ ንክፍጸም መደብ ተታሒዙ ነይሩ። ድሒሩ ዝወጸ መግለጺ ግና፣ እቲ ዝተጠቀሰ ጊዜ መጠነኛ ምምሕያሽ ክግበረሉ እዩ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG