ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፈደራል ቤት ፍርዲ ኢትዮጵያ ኣቶ በቀለ ገርባ ብዋሕስ ክፍትሑ እንተ ኣዘዘ፡ ንሶም ሎሚ’ውን ኣይተፈትሑን


ናይ ኢትዮጵያ ጠቕላሊ ቤት ፍርዲ ፌደራል ኣቶ በቀለ ገርባ ንክፍትሑ ዝሃቦ ትእዛዝ መኣረሚ ቦታ ቂሊንጦ ተወሳኺ መብርሂ ብምሕታት ሎሚ እውን ኣይተፈትሑን።ካብ ትእዛዝ ቤት ፍርዲ ወፃኢ ቤት ህንጸት ክኣስር ሕጊ ኣይፈቕደሉን ኢሎም ጠበቓ ናይ ኣቶ በቀለ ገርባ።መለስካቸው ኣምሃ ዝለኣኾ ፀብፃብ ገብረ ገብረመድህን ከቕርቦ እዩ።

ጠቕላሊ ቤት ፍርዲ ፌደራል ኣቶ በቀለ ገርባ ብ30 ሽሕ ብር ዋሕስ ክፍትሑ ትማሊ ዝሃቦ ትእዛዝ ኣይተፈጸመን።ምኽንያቱ ድማ ኣቶ በቀለ ገርባ ንክፍትሑ ጠቕላሊ ቤት ፍርዲ ትእዛዝ ዝሃበሉ ቁፅሪ መዝገብን ክኽሰሱ ከለው ዝተኸፍተ ቁፅሪ መዝገብን ዝተፈላለዩ ብምዃኑ ቤት ህንፀት ቂሊንጦ መብርሂ ብምሕታቱ ምዃኑ ናይ ቀረባ ስድርኦምን ኣባላት ኣመራርሓ ኦፌኮን ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊፆም።

ምኽትል ኣቦ መንበር ኦፌኮ ኣቶ ሙላቱ ገመቹ፡ ኣቶ በቀለ ሎሚ ጥርዓን ብምቕራብ ቤት ፍርዲ ደጊሙ እንተኣዘዘ እውን ናይቲ መኣረሚ ቦታ ተወካሊ ካብቲ ቤት ፍርዲ ምስ ወፀ ናይቲ ቤት ፍርዲ ትእዛዝ ከምዘየፈጸም ገሊፁለይ ኢሎም።

ጠበቓ ናይ ኣቶ በቀለ ገርባ ዝኾኑ ኣቶ ኣምሃ መኮነን እውን ብመሰረት ትእዛዝ ቤት ፍርዲ ኣቶ በቀለ ክፍትሑ ነይሩዎም ምስ በሉ ኣብ ኩሎም መአረሚ ቦታ ብደረጃ ንትእዛዝ ቤት ፍርዲ ናይ ዘይምኽባር ኩነታት ኣሎ ኢሎም።

“ይፈትሑ ተባሂሎም ኣለው።ድሕሪ ሕዚ ተኣሲሮም ዝፀንሕሉ ምኽንያት ብናይ መን ስልጣን እዩ ክኸውን?ካብ ቤት ፍርዲ ትእዛዝ ወፃኢ መአረሚ ቦታ ንሓደ ሰብ ኣሲሩ ከፅንሖ ዋላ ሓደ ዝፈቅድ ሕጊ የለን።እንተወሓደ ሎሚ ንጉሆ ክፍትሑ ነይሩዎም።ክሳብ ሕዚ ግን ኣይተፈትሑን ዘለው።”

ኣቶ ኣምሃ ብተወሳኺ ዝውሃብ ዘሎ ምኽንያት ተቐባልነት የብሉን፤ስድርኦም እውን ብዘይግቡእ ላዕልን ታሕትን ይብሉ ኣለው፤መንግስቲ ኣብ ኣብያተ ህንጸት ይርኣይ ዘሎ ኣሰራርሓ ክፍተሽ ኣለዎ ኢሎም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG