ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ምክትል ኣቦ መንበር ኦፌኮ አቶ በቀለ ገርባ ብዋሕስ ክፍትሑ ቤት ፍርዲ ኣዚዙ


ፋይል- ኣቶ በቀለ ገርባ
ፋይል- ኣቶ በቀለ ገርባ

ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ኦሮሞ ፈደራሊስት ኮንግረስ ፓርቲ ምክትል አቦ መንበር አቶ በቀለ ገርባ ብ 30ሽሕ ብር ዋሕስ ካብ ቤት ማእሰርቲ ክፍትሑ ጠቕላሊ ቤት ፍርዲ ሰማዒ ይግባይ ኣዚዙ።

እቲ ውሳነ’ቲ ቤት ፍርዲ ጉዳይ ዋሕስ መሰረታዊ ምኳኑ ኣስሚሩ ዝተንተነ’ዩ ክብል ጠበቃ አቶ በቀለ ገርባ ገሊጾም።

ኣብ መጀመርታ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ ብታሕተዋይ ቤት ፍርዲ መሰል ዋሕስ ተኸልኪሎም ዝነበሩ አቶ በቀለ ገርባ ናይ ፈደራል ጠቅላሊ ቤት ፍርዲ መጋባእያ ሰማዒ ይግባይ ነቲ ናይ ዝሓለፈ ውሳነ ብ30 ሽሕ ብር ዋሕስ አቅሪቦም ካብ ማእሰርቲ ክወጹ ትእዛዝ ሂቡ’ሎ።

እቲ ቤት ፍርዲ ንመጎተ ክልቲኦም ወገናት ብምጥቃስ ኣብ ልዕሊ ዝቐረበ ጥርዓን ይግባይ ዝሃቦ ውሳነ ኣዝዩ ዝርዝርን ሕቶ መሰል ዋሕስ ብጥንቓቐ ክምርምር ከምዝግባእ ዘስተምሃረ ትንታነ’ዩ ክብሉ ሓደ ካብ ጠበቓታት አቶ በቀለ ገርባ አቶ አመሃ መኮነን ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊጾም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ምክትል ኣቦ መንበር ኦፌኮ አቶ በቀለ ገርባ ብዋሕስ ክፍትሑ ቤት ፍርዲ ኣዚዙ
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:29 0:00

XS
SM
MD
LG