ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሕፅረት መሰረታዊ ሸቐጣት ሕዚ’ውን ኣይተፈትሐን


ተፈጢሩ ዘሎ ሕፅረት መንግስቲ ዋጋ ንምትማን ናይ ዝወሰዶ ስጉምቲ ውፅኢት ከምዝኾነ ወነንቲ እቶም ሹቓትን ተቓወምትን ይዛረቡ።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተፈጠረ ሕፅረት መሰረታዊ ሸቐጣት ምግቢ ሕዚ’ውን ኣይተፈትሐን።ወኪል ቪኦኤ ኣብዝተዘዋወረሎም ሹቓት ሽኮርን ዘይቲ ብልዕን ኣብ ዕዳጋ ኣይነበረን።እቲ ተፈጢሩ ዘሎ ሕፅረት መንግስቲ ዋጋ ንምትማን ናይ ዝወሰዶ ስጉምቲ ውፅኢት ከምዝኾነ ወነንቲ እቶም ሹቓትን ተቓወምትን ይዛረቡ።

ኣብ ሓደ ናይ ችርቻሮ ሹቕ ወኪልና ዘዘራረቦ መንእሰይ ሰራሕተኛ እቲ ሕፅረት ንከባቢ ክልተ ኣዋርሕ ዝፀንሐ ከምዝኾነ ይገልፅ።

ምኽንያቱ ድማ ይብል ንሱ እቶም መከፋፈልቲ ስለዘየለውን ነጋዶ’ውን ክቕርቡ ስለዘይኽኣሉን እቲ ሕፅረት ከምዝተፈጠረ ይሕብር።ፍቖዶ ጣቢያታት ዝተጣየሹ ናይ ሸመቲ ማሕበራት ሽኮርን ዘይትን ዝኣመሰሉ ኣቑሑት ካብ መንግስቲ ተረኪቦም ክሸጡ ከምዝፀንሑን እንተኾነ ግን ነቲ ሽግር ከምዘይፈትሐን እቲ መንእሰይ ይገልፅ።

እቲ መንእሰይ ‘’ናይ ዋጋ ናህሪ ተፈጢሩ ጥራይ ከይኮነስ እቲ ዋጋ ብዕፅፊ እዩ ወሲኹ።ብፍላይ ድማ ናይ ሸመቲ ማሕበራት ምስውሰድዎን ተመን ምስወፀን ዋጋ ብዕፅፊ እዩ ወሲኹ።መንግስቲ እውን ዝኣክል ቀረብ ዘለዎ ኣይመስለንን።ብዘይ ቀረብ እዩ ተመን ዘውፅአ።’’ይብል።

ድሕሪ ናይ መንግስቲ ተመን ዋጋ እቲ ዕዳጋ ክረጋጋእ ከምዘይኽኣለን ካብ ፈቖዶ ሹቓት ሽኮርን ዘይትን ከምጠፍአን ወሲኹ ይገልፅ።

ብመራኸቢ ብዙሃን እታ ሃገር ዝተነበበ መግለፂ መንግስቲ ግን እቲ ሽግር ብህፁፅ ከምዝቃለል የረድእ።መንግስቲ ዝለዓለ መጠን ዘለዎ ናይ ብልዕሊ ዘይቲ ናብ ውሽጢ ሃገር ኣእቲዩ’ሎ ይብል እቲ መግለፂ።

ቅድም ኢሉ ዝነበረ ኣሰራርሓ ብምልዋጥ ኮላይ ኣብ ናይ ችርቻሮ ሹቓት’ውን ከምዝቐርብ ኣፍሊጡ’ሎ።

ቀዳማይ ምንስቴር መለስ ዜናዊ ትማሊ ኣብ ሓደ ናይ ምይይጥ መድረኽ ከምዝተዛረብዎ መንግስቲ መሰረታዊ ሸቐጣት ካብ ወፃኢ ሃገር ምእታው ከምዝቕፅል ገሊፆም ኣለው።እቲ ናይ ምክፍፋል ስራሕ ግን ቸርቸርቲ ከምዝሓውስ እውን ከምዚ ይብሉ።’’ ጉዳይ ምክፍፋል ብዝምልከት ብኣከፋፈልትን ብቸርቸርትን ንክኸውን ኢና ንደሊ።ንሕና ባዕልና ንኽነከፋፍል ኣይንደልን።ፈቖዶ ከተማ ሓደ ወይ ክልተ ኣከፋፈልቲ ክኾኑ ግን ኣይንደልን።ውድድር ክህሊ ስለ እንደሊ ፈቖዶ እታ ከተማ ብዙሓት ኣከፋፈልቲ ንኽህልው ኢና ንደሊ።’’ይብሉ።

ናይ ኢትዮጵያዊያን ዲሞክራሲያዊ ፓርቲ ኢዴፓ ኣብዚ ሰሙን ኣብዘውፅኦ መግለፂ ንዝተፈጠረ ሽግር መሰረታዊ ሃለቕቲ ኣቑሑት ንመንግስቲ ተሓታቲ ገይርዎ’ሎ።ናብራ’ውን ፈፂሙ ኣብዘይሕሰብ ደረጃ በፂሑ’ሎ ይብል ኢዴፓ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ግን ንናይ ተቓወምቲ ወቐሳታት ከናእሶ እዩ ፀኒሑ።ቀዳማይ ምንስቴር መለስ ኣብቲ ናይትማሊ መድረኽ ምይይጥ ከምዝበልዎ’ውን መንግስቲ ናብ ናይ ዋጋ ቁፅፅር ዝኣተወ ዕዳጋ ዘይፈጠሮ ግቡእ ዘይኮነ ወሰኽ ዋጋ ብምፍጣሩ እዩ ይብሉ።

XS
SM
MD
LG