ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረዚደንት ባራክ ኦባማ እዛ ሰሙን "መራር ሰሙን እያ " ክብሉ ገሊጾማ


ፕረዚደንት ባራክ ኦባማ እዛ ሰሙን ብቕትለት ክልተ ጸለምቲ ኣመሪካውያን ኣብ ኢድ ፖሊስን ድሕሪኡ ዝሰዓበ ቅትለት ሓሙሽተ ኣባላት ፖሊስ ከተማ ዳላስ ኣመልኪቶም "መራር ሰሙን እያ " ክብሉ ገሊጾማ።

ፕረዚደንት ኦባማ ነዚ ዝገለጹ: ኣብ ዋዕላ ሕብረት ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለትጺ ክኸውን እንከሎ በዚ ኣብ ኣመሪካ ተፈጢሩ ዘሎ ኩነታት ጻንሖቶም ኣብቲ ዋዕላ ብሓደ መዓልቲ ነክዮም ጽባሕ ሰንበት ኣብ ሰዓታት ምሸት ክምለሱ ምውሳኖም ብተወሳኺ ተፈሊጡ።

ከንቲባ ከተማ ዳላስ ማይክ ረውሊንግስ ብዝገበረሎም ዕድመ: ናብቲ ኣብ ሞንጎ ፖሊስን ጸለምቲ ኣመሪካውያንን ወጥሪ ሰፊንዋ ዘሎ ከተማ ዳላስ ከምርሑ መደብ ከምዘሎውን ተሓቢሩ።


ፕረዚደንት ኦባማ ኣብ መእተዊ መግለጺኦም፡ "ኣመሪካ ከምቲ ብዙሓት ዝኣመትዎ ዝተገምዐት ከምዘይኮነት ብትሪ ይኣምን" ኢሎም። ኣብ ሞንጎ ኣኽበርቲ ጸጥታን ውሑዳን ነበርትን ንዝፍጠር ጎንጺ ሃገሮም ዘድሊ ትካላዊ ብቕዓት ንምኣላይ እቲ ጸገም ከምዘለዋ ብተወሳኺ ገሊጾም።


ኣብ ዳላስ ቶኽሲ ከፊቱ ንኣባላት ፖሊስ ዝቐተለ ሰብ፡ ወካሊ ጸለምቲ ኣመሪካውያን ከምዘይኮነ ዘፍለጡ ፕረዚደንት ኦባማ ፡ ልክዕ ከምቲ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ቻርልስተን ኣብ ሓደ ጸለምቲ ኣፍሪቃውያን ኣመሪካውያን ዝእከቡሉ ቤተ ክርስትያን ቶኽሲ ብምኽፋት 49 ጸለምቲ ዝቐተለ ውልቀሰብ ንጸዓዱ ኣመሪካውያን ዝውከለ ኣይነበረን ኢሎም መረዳእታ ሂቦም።

ብዛዕባ ብረት ዝተሓወሶ ጎንጺ ተሓቲቶም ኣብ ዝመለሱሉ ድማ "ብዛዕባ ብረት ከይተዛረብኩ ደው ኣይክብልንየ። ምኽን ያቱ ብረት ክፋል ናይዚ ሽግር'ዮም " ኢሎም።

XS
SM
MD
LG