ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዋና ጸሓፊ ሕ/ሃ ንኢትዮጵያዊ ሜጄር ጀነራል ኣዛዚ ናይ ሕቡራት መንግስታት ጊዝያዊ ሓይሊ ጸጥታ ኣብ ኣብየይ ገይሮም ሸይሞም


ናይ ሕቡራት መንግስታት ዋና ጸሓፊ ባንኪ-ሙን ንኢትዮጵያዊ ሜጄር ጀነራል ሓሰን ኢብራሂም ሙሳ ኣዛዚ ናይ ሕቡራት መንግስታት ጊዝያዊ ሓይሊ ጸጥታ ኣብ ኣብየይ ገይሮም ምሻሞም ሎሚ ተፈሊጡ።

ሜጄር ጀነራል ሓሰን ኢብራሂም ሙሳ 20 ጥሪ 2016 ዓ.ም.ፈ ኣገልግሎቶም ንዝውድኡ ኢትዮጵያዊ ሌተናል ጀነራል ብርሃኑ ጁላ ገለልቻ ክትክኡዎም እዮም።

ሜጀር ጀነራል ሓሰን ኣብ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለዩ ደረጃታትን ሓላፍነት ንነዊሕን እዋን ዘገልገሉ ኮይኖም ብቢዝነስ ኣድምንስትረሽን ናይ ማስተርስ ድግሪ ዘለዎም በዓል ሓዳርን ኣቦ ኣርባዕተ ቆልዑትን እዮም።

ኣብዚኣ'ሞ

ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ወርሒ ህልው ኩነታት ሰላም ኢትዮጵያ ከመይ ይግምገም

እዚ ሳይንቲፊካዊ ዘይኮነ መዐቀኒ ህዝባዊ ርእይቶ፤ ንርእይቶ ወሃብቱ ጥራይ እዩ ዘመልክት

XS
SM
MD
LG