ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኢትዮጵያ መባእታዊ ሰብአዊ መሰላት ክረጋገጹ ጸዊዖም


ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ባንኪሙን - ፋይል
ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ባንኪሙን - ፋይል

ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ባንኪሙን ኣብ ኢትዮጵያ ንዘሎ ምዕባለታትን ነቲ 8 ጥቅምቲ ዝተተግበረ ናይ ህጹጽ እዋን ኣዋጅ ምስ ሻቕሎት ይከታተልዎ ከምዘለዉ ገሊጾም።

ብዛዕባ ኢትዮጵያ ዝተሓተቱ ባንኪሙን ኣብ ዝሃብዎ ምላሽ ብዛዕባ’ቲ ሓደሽቲ ዝመጹ ስጉምትታት ዝገልጹ ጸብጻባት ከምዝፈልጡን ንዘለው ሓበሬታት የጽንዑ ከምዘለው ገሊጾም።

ሰበስልጣን መባእታዊ ሰብአዊ መሰላት ምህላዎም ክረጋገጹ ዝጸውዑ እቶም ዋና ፀሓፊ ሕቡራት ሃገራት ህድኣትን ትዕግስትን ክህሉን ንኹሎም መረረታት ንምፍታሕ ንኹሉ ዝሓቆፍ ልዝብ ክኻየድ ጸዊዖም ኣለው።

XS
SM
MD
LG