ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ባንኪ ሙን ጸብጻባት ኲናት ኤርትራን ኢትዮጵያን ከምዘተሓሳሰቦም ገሊጾም


ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ባንኪ ሙን ብጸብጻብ ኲናት 12ን 13ን ሰነ ኣብ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ከምዘተሓሳሰቦ ገሊጾም።

ባንኪ ሙን ነዚ ጉዳይ ኣመልኪቶም ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝ ኣብ ብራስለስ በልጅዩም ኣብ ዝካየድ ዘሎ ኣኼባ ተራኺቦም ከምዝዘተዩ ብመገዲ ኣፈኝኦም ኣፍሊጦም።

ምክትል ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ድማ ናብ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ብምድዋል ነቲ ጉዳይ ኣልዒሎም ዘትዮምሉ። ንኽልቲኦም መንግስታት ካብ ተጻብኦን ኣናዓቢ መግለጺታት ብዝለዓለ ክቑጠቡን ሓቲቶም።

ንሶም ብተወሳኺ ክልቲኦም መንግስታት ነቲ ኣብ ዓመተ 2000 ዝኸተምዎ ስምምዕ ሙሉእ ብሙሉእ ብምትግባር ንዘለዎም ፍልልያት ብሰላማዊ መገዲ ክፈትሑን ጸዊዖም። ኣብዚ ጉዳይዚ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንምትሕግጋዝ ድልው ምህልው ድማ ኣብቲ ዘውጽእዎ መግለጺ ኣፍሊጦም።

Recommended

XS
SM
MD
LG