ዋሽንግተን —
ሕክምና ክከታተሉ ዝጸንሑ ሚኒስተር ምክልኻል ኣመሪካ ሎይድ ኦስትን ናብ ስሩዕ ስርሖም ከምዝተመለሱ ቤት ጽሕፈት ምክልኻል ኣመሪካ(ፔንታገን) አፍሊጡ።
ንዘጋጠሞም ሕማም መንሽሮ ፕሮስቴት ንምእላይ ዝሓለፈ ታሕሳስ መጥባሕቲ ዝተገበረሎም ወዲ 70-ዓመት ኦስቲን፣ ዳግማይ ብዘጋጠሞም ሕማም'ዮም ኣብ ሆስፒታል ሕክምና ክረኽቡ ጸኒሖም።
ንሶም ሎሚ ረቡዕ 14 የካቲት 2014 ዝካየድ ወርሓዊ ኣኼባ 50 ሃገራት ንወትሃደራዊ ደገፍ ዩክሬይ ብርሕቐት ክመርሑ ምዃኖን'ውን ተፈሊጡ'ሎ።
ሰብ-ሞያ ሕክምና ሆስፒታል ዋልተር ሪድ፣ እቶም ሚንስተር ምክልኻል ደጊም ዝተናወሐ ሕክምና አይክህልዎምን እዩ ዝብል ገምጋም ኣለዎም።
ቅጥዒ