ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ክትትል ሕክምና ዝጸንሑ ሚ/ምክልኻል ኣመሪካ ናብ ስርሖም ተመሊሶም


ሚኒስተር ምክልኻል ኣመሪካ ሎይድ ኦስትን -ፋይል
ሚኒስተር ምክልኻል ኣመሪካ ሎይድ ኦስትን -ፋይል

ሕክምና ክከታተሉ ዝጸንሑ ሚኒስተር ምክልኻል ኣመሪካ ሎይድ ኦስትን ናብ ስሩዕ ስርሖም ከምዝተመለሱ ቤት ጽሕፈት ምክልኻል ኣመሪካ(ፔንታገን) አፍሊጡ።

ንዘጋጠሞም ሕማም መንሽሮ ፕሮስቴት ንምእላይ ዝሓለፈ ታሕሳስ መጥባሕቲ ዝተገበረሎም ወዲ 70-ዓመት ኦስቲን፣ ዳግማይ ብዘጋጠሞም ሕማም'ዮም ኣብ ሆስፒታል ሕክምና ክረኽቡ ጸኒሖም።

ንሶም ሎሚ ረቡዕ 14 የካቲት 2014 ዝካየድ ወርሓዊ ኣኼባ 50 ሃገራት ንወትሃደራዊ ደገፍ ዩክሬይ ብርሕቐት ክመርሑ ምዃኖን'ውን ተፈሊጡ'ሎ።

ሰብ-ሞያ ሕክምና ሆስፒታል ዋልተር ሪድ፣ እቶም ሚንስተር ምክልኻል ደጊም ዝተናወሐ ሕክምና አይክህልዎምን እዩ ዝብል ገምጋም ኣለዎም።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG