ዋሽንግተን —
ሚንስተር ምክልኻል ኣመሪካ ሎይድ ኦስቲን ትማሊ ሰንበት ዳግማይ ሆስፒታል ኣትዮም። ኦስቲን ብሕማም መንሽሮ ወይ ካንሰር /ፕሮስታተ/ ሕክምንኦም ኣብ ዝቐፀልሉ እዋን መዝነቶም ንምኽትሎም ኣመሓላሊፎም ኣለው።
ወሃቢ ቃል ቤት ጽሕፈት ምክልኻል ኣመሪካ (ፔንታጎን) ሜጀር ጀነራል ፓት ራይደር ኣብ መግለፂኦም ኦስቲን ናብ ሃገራዊ ወታሃደራዊ ማእኸል ሕክምና ዋልተር ሪድ ንሃንደበታዊ ናይ ፍሕኛ ሕማም መርመራ ኣትዮም ኣለው ኢሉ።
ኦስቲን "ስርሖምን ሓላፍነቶምን ካብ ቤት ፅሕፈቶም’’ ክፍፅሙ እንተነበሮም እውን ስልጣኖም ናብ ምኽትሎም ካትሊን ሂክስ ኣመሓላሊፎም ኣለው።
ኣቦ-መንበር ሓባራዊ ኣዘዝቲ ሰራዊት ከምኡ እውን ቤተ መንግስቲ ዋይት ሃውስን ኮንግረስን እውን ብዛዕባ'ቲ ሕክምና ክፈልጡ ተገይሮም ኣለው።
ኦስቲን ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ሕማም ፕሮስተት ካንሰር ከምዘለዎም ምስ ተፈልጠ ተሓኪሞም እንተበሩ እዃ ረኽሲ ብምፍጣሩ ኣብ ወርሒ ጥሪ ናብ ዋልተር ሪድ ሆስፒታል ኣትዮም ንኽልተ ሰሙን ኣብ ክትትል ሕክምና ምጽንሖም ይፍለጥ።
ኦስቲን ንፕረዚደንት ጆ ባይደን፣ ንኮንግረስን ንምኽትል ሚንስተር ምክልኻል ብዛዕባ'ዚ ቐዳማይ ናይ ሕክምና ክትትል ብዘይምዝራቦም ጉዳይ ምርመራን ውሽጣዊ ግምገማ ቤት ጽሕፈት ምክልካል (ፔንታጎንን) ኮይኑ እዩ።
ቅጥዒ