ኣዲስ አበባ —
ብልሽውና ኣብ ኣፍሪቃ ዘውርዶ ዘሎ ጉድኣት ከቢድ’ዩ ኢሉ ኣዲስ ኣበባ ዝተአከበ ጉባኤ ሚንስተራት ወጻኢ ጉዳያት ኣፍሪቃ።
ኣብቲ ጉባኤ መደረ ካብ ዘስምዑ ሓንቲ ባሕሪ ክሰግሩ ዝጠፍኡ ዘለው መንእሰያት ንሓደጋ ዝቃልዓ ዘለዋ ደቂ ኣንስትዮን ብልሽውና ዝወለዶ ጠንቂ’ዩ እውን ትብል።
ኣፍሪቃ ብሰንኪ ብልሽውና ኣብ ዓመት 148 ቢልዮን ዶላር ከምትከስር’ውን ተገሊጹ’ሎ።
ኣብ ናይ ሎሚ መኽፈቲ ጉባኤ ዝተዛረቡ ጸሓፊ ፈጻሚ ስራሕ ቁጠባ ኮሚሽን ኣፍሪቃ ቪየራ ስንድወ ኣብ ኣፍሪቃ ብልሽውና ዝጠፍእ ገንዘብ ካብ ዓመታዊ እቶት’ታ ኣህጉር ርብዒ ምዃኑ ተብርህ።
“ብልሽውና ብዘሕዝን ኩነታት ንዕብየት ሃገራት እንዳባሕጎገ እናቖጸየን ዝርከብ ጸገም’ዩ። ብልሽውና ምስ ካንሰር ከወዳደሮ ይፈቐደለይ። ንቁጠባና ቀስ ብቀስ ዝበልዕ ዘሎ ሕማም’ዩ። እንኮ መድሓኒቱ ድማ ፈሊኻ አለሊኻ ምጥፋእ’ዩ።”