ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ጉባኤ መራሕቲ ኣፍሪቃ ኣብ ብልሽውና ዘተኮረ ክከውን'ዩ


ኣብ ኢትዮጵያ ከተማ አዲስ አበባ ዝካየድ ናይዚ ዓመት’ዚ ጉባኤ መራሕቲ ኣፍሪቃ ኣብ ብልሽውና ከምዘተኾረ ከምዝኸውን እዚ ማለት ግን እቲ ቃልሲ ሕጂ ተጀሚሩ ማለት ከምዘይኮነ ዋና ጸሓፊ ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ኣፍሊጦም።

ዋና ጸሓፊ ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ሙራድ ቨንድያብ ሎሚ አማስይኡ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ነቲ መራሕቲ ኣፍሪቃ ከካይድዎ ዝዳለው ዘሎ ኣኼባ ዘተኾረ’ዩ።

ንሶም ብተወሳኺ ናይ ሎሚ ዓመት ጉባኤ መሪሕ ቃል ኣብ ልዕሊ ብልሽውና ዝካየድ ቃልሲ ምዕዋት ዝብል ምዃኑ ብምግላጽ ንብልሽውና ናይ ምቅላስ ተግባር ኩሉ ጊዜ ክካየድ ዘለዎ አድላይ ጉዳይ’ዩ። ሕብረት ኣፍሪቃ’ውን ቀዳምነት ዝህቦ’ዩ፡ ኣብ ኣፍሪቃ ጥራይ’ውን ዘጋጥም ኣይኮነን ኹሉ ጊዜ ኢና ክንቃለሶ ዘለና ጉዳይ'ዩ ኢሎም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ጉባኤ መራሕቲ ኣፍሪቃ ኣብ ብልሽውና ዘተኮረ ክከውን'ዩ
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:27 0:00

XS
SM
MD
LG