ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቻይና ሰራሕ ቀንዲ ቤት ፅሕፈት ሕብረት ኣፍሪቃ ክምረቅ እዩ


ፕረዚደንት ሁ ጂን ታው'ዮም ዝምርቅዎ

ፕረዚደንት ቻይና ሁ ጂንታው፣ነቲ ብገንዘብን መብዛሕትኡ ጉልበትን ቻይና ዝተሃንፀ ሓድሽ ህንፃ ሕብረት ኣፍሪቃ ንምምራቅ ኣብ‘ዚ ወርሒ‘ዚ ናብ ኣዲስ ኣበባ ክኣትው‘ዮም።

ፕረዚደንት ሁ ጂንታው፣ነቲ ”ህያብ ቻይና ንኣፍሪቃ” ዝተባሃለሉ ህንፃ መሪቆም ንምኽፋት ድሕሪ 12 መዓልታት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከምዝኣትው ሰበ-ስልጣን ኢትዮዽያን ቻይናን መረጋገፂ ሂቦም‘ለው።
እቲ ዕለት መራሕቲ ኣፍሪቃ፣ኣብ‘ቲ ሓድሽ መአከቢ ኣዳራሽ ፈላማይ ዋዕለኦም ከካይዱ መደብ ኣሎ።

ህንፀት ሓድሽ ህንፃ፣ኣዲስ ኣበባ ማእከል ዲፕሎማሲ ኣፍሪቃ ክትኮን ድያ ዝብል ሕቶ ኣብ ዘጠራጠረሉ ቅድሚ 3 ዓመት‘ዩ ተጀሚሩ።እታ ከተማ ሳላ ንውልደት ሕብረት ኣፍሪቃ ኣገዳሲ ተራ ዝነበሮም ኣፀይ ሃይለ-ስላሴ ዝፈጠርዎ ፅልዋ ኣህጉራዊ ቀንዲ ከተማ ኮይኑ‘ላ።

ቅድሚ 3 ዓመት ግና፣ኣብ‘ቲ ኣቦ-መንበር‘ቲ ሕብረት ዝነበሩ መዋታይ ፕረዚደንት መዓሙር ቀዛፊ፣ኣብ ዝተወለዱላ ከተማ ስርጠ ቀንዲ ቤት ፅሕፈት ንሕብረት ኣፍሪቃ ክሰርሕ‘የ ከምዝበሉ ይዝከር።ቻይና 2 ሚእቲ ሚልዮን ዶላር ዘውፅእ ቤት ፅሕፈት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክሰርሕ‘የ ድሕሪ ምባላ ግና ውጥን ቃዛፊ ተዓንቂፉ ተሪፉ።

ዝሓለፈ ሰሙን ነቲ ሓድሽ ህንፃ ዝራኣዩ ቀ/ሚ መለስ ዜናዊ፣መርአያ ምሕዝነታዊ ርክብ ኣፍሪቃን ቻይናን ክብሉ ገሊፆምዎ።ኣቶ መለስ ወሲኾም፣ ቻይና ነቲ ህንፃ ንክትሰርሕ ከምዝሓተቱን፣ንምዕዋቱ ድማ መርየት ኣብ ጥቃ ኣረጊት ህንፃ ሕብረት ኣፍሪቃ ከምዝተረኸበሉን፣ናውቲ ህንፃ ብዘይቀረፅ ንክኣቱ ከምዝተፈቀደን ጠቂሶም።

ሓላፊ ፕሮጀክታት ሕብረት ኣፍሪቃ ኣቶ ፋንታሁን ሃይለመስቀል፣እቲ ሓድሽ ህንፃ ንዓቅሚ ስራሕቲ‘ቲ ውድብ ከምዘሐይሎ ጠቂሶም።

ኣቶ ፋንታሁን ኣብ ዘረበኦም “48 ዓመታት ድሕሪ ምስረታ ውድብ ሕብረት ኣፍሪቃ፣ብመንፅር ቤት ፅሕፈትን መአከቢ ኣዳራሽን ዝነበሮ ፀገም መሊኡ ዝቃለለሉ ኩነታት‘ዩ ተፈጢሩ።መንግስቲ ቻይና፣እዚ ህንፃ‘ዚ ንኣፍሪቃን ሕብረት ኣፍሪቃን ከምህያብ‘ያ ኣቅሪቡልና” በሉ።

እቲ ሓድሽ ህንፃ ሕብረት ኣፍሪቃ፣2,500 ሰባት ዝሕዝ ኣዳራሽ፣ከምኡውን ኣጋይሽ ተመላልስ ሄሊኮፕተር ትዓርፈሉ ስፍራ ኣለዎ።ንመራሕቲ ዘሳፈራ ሊመዚናት ክሳብ ዝሓልፋ ይፍጠር ዝነበረ ምጭንናቅ ኣብቂዑ‘ሎ ማለት‘ዩ።
ብዘይካ‘ዚ እቲ ሕብረት ካብ ሞንጎ ዘለውዎ 1,300 ሰራሕተኛታት፣እቶም 7 ሚእቲ ቦታ ረኺቦም‘ለው ማለት‘ዩ።እቶም 6 ሚእቲ ኣብ‘ቲ ነባር ህንፃ ክፀንሑ‘ዮም።

ሓድሽ ህንፃ ሕብረት ኣፍሪቃ፣ምልክት እናዓበየ ይመፅእ ዘሎ ፅልዋ ቻይና ኣብ ኣፍሪቃ ዘግህድ‘ዩ።

XS
SM
MD
LG