“ዝተወሰና ሃገራት ኣፍሪቃ ኣንጻር ግብረ ሽበራ ዝሰርሕ ሓይሊ ኣብ ምምስራት ተበግሶ ዝወሰዳሉ ፍሉይ ጉዳይ እዩ። ስለዚ ኣሜሪካ ኣብዚ ኣንጻር ግብረ ሽበራ ዝካየድ ቃልሲ ንዘይምስታፋ ወይ ተዓቕቦ ምግባራ ክንርደኣና ኣይከአልናን።”
ኣብ ወርሒ ጥሪ አቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪቃ ኮይሮም ዝተመዘዙ ሙሳ ፋቂ መዓልታት ድሕሪ ፕረዝደንት ትራምፕ ቃለ መሓላ ምፍጻሞም ኮይኑ፡ ኣቐዲሞም ፕረዝደንት ኮይኖም እተተመሪጾም ኣሜሪካ ንከም ናይ ሕቡራት ሃገራት ዝኣመሰላ ትካላት ትህቦ ሓገዝ ከምተጉድል ወይ ደው ከተብል ብተደጋጋሚ ምግላጾም ይዝከር።
ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ቻድ ኮይኖም ዘገልግለሉ ሙሳ ፋቂ ሰላምን ጸጥታ ብቀዳምነት ዝሰርሕሉ ምኳኑ ብምግላጽ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ኣንጻር ኣብታ ኣህጉር ዝረአ ግብረ ሸበራ ኣብ ሓሙሽተ ሃገራት ሰራዊቱ ከዋፍር ንዘቕረቦ ጠለብ ብሓጎስ ምቅባሎም ይፍለጥ።
እንተኾነ ኣሜሪካ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ብወግዒ ነዚ ሓይሊ ካብ ምድጋፍ ምኽልካላን ትህቦ ናይ ገንዘብ ሓገዝ ደው ምባላ ገሊጻ።
ኣሜሪካ እዚ ሓይሊ ኣብ ሃገራት ቦርኪኖፋሶ፡ቻድ፡ማሊ፡ማውሪታንያን ኒጀርን ዝወፈር ኮይኖም እቲ ሰራዊት’ውን ካብዘን ሃገራት እዩ ስለዚ መዝነት ሕቡራት ሃገራት ኣየደልይን እዩ ክትብል ተቓውሞኣ ተሰምዕ።
ይኹን ደኣ እምበር እቲ ቀንዲ ጉዳይ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ነዚ ልዑኽ ዝህቦ ናይ ገንዘብ ሓገዝ ናይ ምቅጻል ፍቓዱን ትግባረ እቲ ሓገዝ እዩ ምክንያቱ ትግባረ እቲ ሓገዝ ሓላፍነት ኣብተን ዋና ቤት ጽሕፈተን ኣብ ማሊ ዝገበራ ሓሙሽተ ሃገራት ዝውሰን እዩ።
“ምሕያል እዘን ጉጅለ ሓሙሽተ ሃገራት ንኣሜሪካ ዘረጋግእ እንተኮይኑ ብተወሳኺ ደው ምባል እንተዘይተኻለ ምጉዳል ምፍላስን ስደትን ከምኡ’ውን ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባትን ኣብዚ ዞባ ስለዚ ኣብ ክልቲኡ ግንባር ክሰርሕ ይግባእ።”
ምምሕዳር ፕረዝደንት ትራምፕ ንዘቕረብዎ ናይ ባጀት ሓሳብ ንከም ሕብረት ኣፍሪቃ ዝአመሰላ ትካላት ዝወሃብ ሓገዝ ምጉዳል ዝብል ገና ቤት ምኽሪ እታ ሃገር ውሳኔ እንተዘይሃበ ኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋዊ ኣሜሪካ ነታ ኣህጉር ከይትርሕርሕ ይምህጸኑ።
“እዚ ሓድሽ ምምሕዳር ኣሜሪካ ምስ እዋናዊ ብድሆታት ዓለም ክጉዓዝ ተስፋ ንገብር። ኣሜሪካ’ውን ካብ ከምዚ ዓይነት ጉዳይ ምግላላ ንገዛእ ርእሳ ዝሕግዝ ኣይኮነን። ንሰላምን ጸጥታ እታ ኣህጉር ዘሎኒ እምነት ንምውሳን እዚኦም ድማ መሰረታዊ ሕቶታት እዮም።”
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣሜሪካ ኣብ ዞባ ዳርፉር ሱዳን ንዝወፈረ ዓቃብ ሰላም ሕቡራት ትህቦ ዝነበረት 600 ሚልዮን ዶላር ናይ ገንዘብ ሓገዝ ምጉዳላ ይዝከር።
ኣሜሪካ ንሕብረት ኣፍሪቃ ናይ ገንዘብ ሓገዝ ካብ ዝህባ ሃገራት ሓንቲ ኮይና ዋና መሻርክቲ ኣብ ሶማል ዝተዋፈራ ናይቲ ሕብረት ዓቃብ ሰላም ሰራዊት’ውን እያ።
እንተኾነ ኣህጉር ኣፍሪቃ ኣብዚ ሕጂ እዋን ብውሳኔ ምምሕዳር ትራምፕ ኣብ ምጉዳል ባጀትን ምውጻእ ኣሜሪካ ካብ ስምምዕ ኩነታት ኣየር ፓሪስ ኣብ በዳሂ ኩነታት ይርከብ።