ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

‘ሰራዊት ኤርትራን ሓይልታት ክልል ኣምሓራን ካብ ትግራይ ምውጻእ እቲ ቀዳማይን ኣገዳሲን ስዳሮ እዩ’ ኢሎም ሚኒስትር ወጻኢ ኣሜሪካ


Anthony J. Blinken
Anthony J. Blinken

በቲ ኣብ ክልል ትግራይ ዝተፈጸመ ግፍዒን የንቆልቁል ዘሎ ኩነታትን ዩናይትድ ስቴትስ ኣዝያ ተሻቂላ አላ። ዝተፈላለያ ትካላት ኣብ ትግራይ ቅትለት፣ ኣስገዳድ ምፍንቃልን ስደትን፣ ጾታዊ ምድፋርን ካልኦት ከበድቲ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ብዝተፈላለዩ ወገናት ፈጺሞም እዮም ስለዝበሉ፣ ዩናይትድ ስቴትስ ነቶም ግብሪታት ብጽኑዕ ትኹንኖም። በቲ የንቆልቁል ዘሎ ሰብኣዊ ኩነታት’ውን ተሻቂልና ኣለና። ዩናይድ ስቴትስ፤ ኣብ ኣገዳስነት ምቁራጽ ውግእ፣ ሰብኣዊ ቀረባት ናብ ኩሉ ስፍራ ብዘይደረት ንክባጻሕ፣ ሙሉእ፣ ናጻ፣ ዓለም ለኸ ምርመራ እቶም ተፈጺሞም ዝባሃሉ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት፣ ዓመጻትን ግፍዒታትን ንክጻረዩ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ደጋጊማ ሓቲታ እያ። ፈጸምቲ’ቶም ግፍዒታት’ውን ናብ ፍርዲ ክቀርቡ ኣለዎም።

ዩናይትድ ስቴትስ ካብ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ኣብ ጥሪ 26 ዝወጸ መግለጺ ኣፍልጦ ትህብ። ሚኒስትር ወጻኢ ኢትዮጵያ ብወገኑ ሰብኣዊ ሓገዛት ናብ ሙሉእ ትግራይ ብዘይደረት ከምዝባጻሕ ጠቂሱ ነይሩ። መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ እቶም ዝተፈጸሙ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ዓመጻትን ንክጻረዩ ንዝቀረበሉ ዓለም ለኸ ደገፍ ከምዝቅበልን ሙሉእ ተሓታታይነት ከምዝህሉን ጠቂሱ ነይሩ። ማሕበረ ሰብ ዓለም፣ እዞም መጽባዓታት ንክትግበሩ ብሓባር ክብገስ ኣለዎ።

ሰራዊት ኤርትራን ሓይልታት ክልል ኣምሓራን ካብ ትግራይ ምውጻእ እቲ ቀዳማይን ኣገዳሲን ስዳሮ እዩ። ስዒቡ ኩሎም ኣብ’ቲ ውግእ ዝሳተፉ ሓይልታት፣ ባዕላዊ ምቁራጽ ተጻብኦ ክትግብሩን ናብ ሙሉእ ትግራይ ሓገዝ ብዘይገለ ዕንቅፋት ዝባጻሓሉን ኩነታት ንክመቻችውን ተገዳስነት ከርእዩን ኣለዎም። እዞም ሸቶታት’ዚኣቶም መታን ክዕወቱ፣ ዩናይትድ ስቴትስ፣ ምስ ማሕበረ ሰብ ዓለም ሓቢራ ንምንጣፍ ቅርብቲ እያ። ብመሰረት’ዚ፣ ስግር ባሕሪ ሓገዝ ዩናይትድ ስቴትስ (USAID) ህይወት ኣድሕን ቀረባት፣ ኣብ ኢትዮጵያ ዝዕድል ጉጅለ ምክልኻል ሓደጋ ክተዋፍር እያ።

ዓለም ለኸ መሻርኽታት፣ ብሕልፊ ሕብረት ኣፍሪቃን ዞባዊ መጻምድቲን፣ ቅልውላው ትግራይ ንምቁጽጻር ምሳና፣ ምስ ትካላት ሕቡራት ሃገራትን ካልኦት ኣካላትን ሓቢሮም ንክሰርሑ ንጽውዕ።

ዩናይትድ ስቴትስ፣ ንነባራይ ዝምድና ምስ ህዝቢ ኢትዮጵያ ሎሚ’ውን ተገዳሲት እያ!

ሚኒስትር ወጻኢ ኣሜሪካ

ኣንተኒ ጀይ ብልንክን

27 ለካቲት/ 2021

XS
SM
MD
LG