ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ህልዊ ኩነታት ትግራይ ብተፀዋዒ ፓርቲ ብልፅግና ኣቶ ነብዩ ስሑል ሚካኤል (2ይ ክፋል)


ኣብ ክልል ትግራይ ልዕሊ40 ማዕልታት ብዘቑፀረ ግጭት ብዙሕ ዕንወት ኣውሪዱ ንኣሽሓት ሰባትከምዝቐተለ፣ልዕሊ 50,000 ሰባት ካብ ትግራይ ናብ ሱዳን ክሃደሙን ናብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን እውን ክመዛበሉ ከምዘገደደን ዓለምለኸ ትካላት ሰብኣዊ ረድኤት ኣብ ምግላፅ ይርከባ።

ጊዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ካብኔ ብምጥያሽ ዝተቛረፁ መሰረታዊ ኣገልግሎታት ንምሃብ ይስራሕ ከምዘሎ ኣብ ትግራይ ተፀዋዒ ፓርቲ ብልፅግና ኣቶ ነብዩ ስሑል ይገልፅ።

ኣቶ ነብዩ ስሑል ሚካኤል ኣብ ግጭት ትግራይ ናይ ኤርትራ መንግስቲ ሓዊሱ ዝተሳተፈ ናይ ወፃኢ ሓይሊ የለን ኢሉ።

ገለ ነበርቲ መቐለ ወታደራት ኤርትራ ምርኣዮም፣ህወሓት እውን ሰራዊት ኤርትራ ብቐጥታ ኣብቲ ኵናት ይሳተፍ ኣሎ ክብል ንዘቕረቦ ተደጋጋሚ ክሲ፣ናይ ኣሜሪካ መንግስቲ ድማ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ምስታፎም እሙን ሪፖርትታት ምርካቡ ዘተሓሳስብ ምዕባለ ምዃኑን ወታደራት ብህፁፅ ክወፁ ንፅውዕ ንዝብልን መግለፂ ኣቶ ነብዩ ስሑል ሚካኤል እዚ ኩሉ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ እዩ ኢሎዎ።

ብዛዕባ ኣብ ምዕራብ ትግራይን ደቡብ ትግራይ ይካየድ ኣሎ ዝብሃል ናይ ወሰን ኣምለስቲ ምንቅስቓስ ዝተሓተተ ኣቶ ነብዩ ብሕገ መንግስቲ ዝተጣየሻ ክልላት ዝጥሓሰሉ ዋላ ሓደ ምኽኒያት የለን ‘’ብ ጉልበት ወይ ብሽፍትነት’' ዝፍፀም ተግባር ተቐባልነት የብሉን ኢሉ።ሕቶታት ምልዓል ፀገም የብሉን ‘’ሕጋውነት ተኸቲልና እንፍፅሞም ልክዕ እዮም ሕጊ ዝጠሓሰ ኣካይዳ ድማ ጌጋ ስለዝኾነ ብኡ ልክዕ ሕጊ ናይ ምኽባር ክስራሕ ክትግበር እዩ’’ ክብል ገሊፁ። ’’ኣብ ሓደ ሓደ ወሰና ወሰናት ይርኣዩ ዘለው ነገራት ዘይሕጋዊ እዮም ሕጊ ናይ ምኽባር ስራሕና ኣብኣቶም እውን ተፈፃሚ ዝኸውን እዩ ‘’ክብል ወሲኹ ሓቢሩ።

ሕቶታት ብሕጊ፣ብዴሞክራሲ ብሰላም ክፍትሑ እዩ ከም ብልፅግና ዘሎ ኣረዳድኣ ምስ በለ ካብ ሕጊ ወፃኢ ንዝግበር ነገር ኣድላይ ዘበለ ስጉምቲ ክንወስድ ኢና ኢሉ ኣሎ ኣቶ ነብዩ።

ኣብ ኣዲስ ኣበባን ዝተፈላለዩ ከተማታትን በደል ይፍፀመና ኣሎ ብዛዕባ ዝብሉ ተወለድቲ ትግራይ ዝተሓተተ ኣቶ ነብዩ እቶም ፀገማት ምህላዎም ከምዝፈልጥ ብምሕባር ዝተፈጠሩን ንከይፍጠሩን ልዑል ፃዕሪ ንገብር ኣለና ኢሉ ሓላፊ ብልፅግና ፓርቲ ትግራይ ኣቶ ነብዩ ስሑል።

ዝርዝሩ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።


XS
SM
MD
LG