ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ህልዊ ኩነታት ትግራይ ብተፀዋዒ ፓርቲ ብልፅግና ኣቶ ነብዩ ስሑል ሚካኤል (1ይ ክፋል)


ካብ ዝጅመር ሓምሳ ማዕልታት ዘቑፀረ ኣብ ትግራይ ይካየድ ዘሎ ውግእ ሕዚ እውን ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ትግራይ ከምዝቐፀለ ይግለፅ ኣሎ።ናይ ትግራይ ክልል ሓላፊ ብልፅግና ፓርቲ ኣቶ ነብዩ ስሑል ብወገኑ 98 ምእታዊ ክልል ትግራይ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያ ከምዝርከብ ይገልፅ።ካብ ከተማ መቐለን ዝተወሰና ከተማታትን ወፃኢ ኣብ ትግራይ ኣገልግሎት ስልኪ ብዘይምህላው ግን ነቲ ዝብሃል ዘሎ ብነፃ ኣካል ንምርግጋፅ ኣይተኽኣለን።

ኣብ ትግራይ ዝተቛረፁ ኣገልግሎታት ናብ ንቡር ንምምላስ ይስራሕ ከምዘሎ ዝገለፀ ኣቶ ነብዩ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን ኣገልግሎት ባንኪን በረራ መንገዲ ኣየርን ከምዝጅምር ሓቢሩ።ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢ ሕፅረት መሰረታዊ ቀረባትን ኣገልግሎታትን ከምዘሎ ነበርቲ ይገልፁ።

ኣብ መቐለ ናይ ኤርትራ ወታደራት ሪኢና ዝብሉ ሰባት እንተሃለውን መንግስቲ ዩናይትድ ስቴትስ ድማ ወታደራት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ምህላዎም ካብ እሙናት ፀብፃባት ፈሊጥና ኣለና፤ከምዚ ዝበለ ዝኾነ ይኹን ዓይነት ወታደራት ክወፁ ንፅውዕ እንተበለ እውን ወታደራት ኤርትራ ይኹኑ ናይ ካሊእ ናይ ወፃኢ ሓይሊ የለን ክብል ኣቶ ነብዩ ስሑል ሚካኤል ነፂጉዎ።

ምምስራት ሓዱሽ ካብኔ ብግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ፣ኩነታት ፀጥታ ትግራይ፣ብወገን ምዕራብ ትግራይን ደቡብ ትግራይን ይስምዑ ዘለው ጉዳያት ወሰንን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሓዊሱ ኣብ ካልኦት ከተማታት ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ተወለድቲ ትግራይ ይፍፀሙ ኣለው ዝብሃሉ መግሃስትታትን መልሲ ሂቡ ኣሎ።

ንምሉእ ቀዳማይ ክፋል ድምፂ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።


XS
SM
MD
LG